ዕላል ምስ ደራሲ "ጥማዕ ዝኽርታተይ" ተጋ. ጴጥሮስ ኣፈወርቂ

#Eritrea🇪🇷#Eritreanhistory🇪🇷#EritreanCulture🇪🇷#ኤርትራ🎼📚
«መጽሓፍ ተረኪበያ'ለኹ። ድሮ ኣብቲ 1ይ ምዕራፋ፡ ነቲ ናይ ድኳን ትበርህ ገጸ-ባህርይ “ጸሓፋይ” ዝመስል ዋና ገጸ-ባህርይ ረኺበላ - ምስ ነብሱን ምስ ሓቂን ዝቃለስ፡ ሰፊሕ ዝኣድማሱ ጸሓፋይ። እቲ ዓቢ ገጣማይ ፋኢዝ ኣሕመድ ፋኢዝ፡ “The true subject of poetry is the loss of the beloved” ዝበሎ፡ ሓቅነቱ ኣብዛ መጽሓፍ ኣብተን ፈለምቲ ገጻታ ርኺበዮ። ከቢድ ሓዘን ወሪሩኒ፡ ምስቲ ጸሓፋይ ኣሕዘንዚነ። ቀላል መጽሓፍ ኣይኰነትን። ድሮ ሕርኽርኽ ስምዒትን ዘይርግኣትን ፈጢራትለይ ኣላ። ብሉጽ ስነጽሑፋዊ ስራሕ ከምኡ ስለዝገብር፡ ብዕቱብን ብደቂቕን ከንብባ ከምዘለኒ ተጋሂዱለይ ኣሎ። ሓያል ጸሓፋይ እዩ፣ ከይበቐቐ ኩሉ ናይ ውሽጡ ገሊሁ፡ ን“ወግዒ ልቢ” ዝጸምደካ፡ ተባዕን ምቕሉልን ጸሓፋይ። ብኹሉ መለክዒታት ንእሽቶ መጽሓፍ ኣይኰነትን። ረጊአ ከንብባ ምዃነይ፡ ነቲ ዘይፈልጦ ግን ከኣ ብጻየይ ኰይኑ ዝስምዓኒ “ጽኑዕ ከም ከውሒ” ጸሓፋይ አረጋግጸሉ።
ምስ ኣኽብሮት!🙏🏾» @EliasAmare

Пікірлер: 815

  • @haimanotweldeab3729
    @haimanotweldeab372927 күн бұрын

    ሓዉ ጅግና አኻ ኣጆኻ ከምቲ ንሕና ንኮራዖሉ ንስኻ ውን ከማና 🇪🇷🇪🇷🇪🇷

  • @akliluamanuel5952
    @akliluamanuel5952Ай бұрын

    Thanks አሊያስ ኣማረ ሓዉና አዚ ኹሉ ቲገብሮ ዘለካ ደኺመ ከይበልካ ናዓና ኪኒፍለጥ ትጽዕሮ ዘልኻ ቢጣዓሚ አና ነምርሲጊነካ🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

  • @1991-nx9kb
    @1991-nx9kbАй бұрын

    ዝኸበርካ ጴጥሮስ ኣፈወርቂ ብጣዕሚ ዘደንቕ ቃለ ምልልስ ቃላት ይሓጽረኒ ስጋዕ ሕጂ ኣብ ስምዒታዊት ኮይነ ኣይፈልጥን ኣውራ ናይ ጀግና በዓልቲበትኻ ከም ዛንታ ዝስምዖ ዚነበርኩ ብኹቡር ባዓልቤታ ክዝንቶ ከሎ ከምኡ'ውን ናይ ኣቦና ኣቦይ ኣፈወርቂ ናይ ወርቂ ወርቂ'ዩ አለዮ ኣለኹ። ብዝያዳ አዛ ምጽሓፍ ኣብ ኢደይ በጺሓ ንኸምብባ ብህንጥዩነት ይጽበያ አየ ዝጽበያ ዘለኹ። ከምኡውን ሓውና ንኤልያስ ኣማረ ክብሪ ይሃበልና ነመስግን።

  • @GereHabte
    @GereHabteАй бұрын

    ንስለ ኤርትራ ትሽዓተ ይሕዋት መስዋትነት ግዜ ረሃጽ ድኻም ዕደመ ነዛ ለዋህ መሬት ሃገረ ሰማእቲ ዝተወፈኹም ደቀ ኣቦይ ኣፎወርቂ ክብሪ ይሰማዕኩም Thank you for your serving this beautiful promissed nation❤❤❤ we love you.

  • @ami_su

    @ami_su

    Ай бұрын

    ኩብር ሓው አብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዘለዎ ኢካ ገሊጸካዬ❤

  • @yumi-ro2kh

    @yumi-ro2kh

    25 күн бұрын

    Ms temeyu andaalom n sahel keydom tmuyat

  • @dawitgebrat1878

    @dawitgebrat1878

    22 күн бұрын

    ሓርበኛ! ይከኣሎ ጋዳላይ ፔጥሮስ ወዲ ሳሕለ፡ ሓንቲ መዓልቲ ብዛዕባ ብጻዩ ኣንበሳ ናቅፋን፡ ወላ እቲ ዝሕዝን ዝተጸለለ ሓዎም ኣማኒኤል ውን ዝጽሕፍ ኢዩ ዝመስል🙏 ዓወት ንሓፋሽ! 🤝🇪🇷❤🐪💐🌍🕊☀

  • @senaitkidane3774
    @senaitkidane3774Ай бұрын

    ጴጥሮስ እንቓዕ ሓጎሰካ ❤ ❤ ❤🫶😎💪 ኣጆኻ ቀጽሎ። I'm so emotional to be honest ❤❤ I can't wait to read Ur book.🙏 ኣቶ ኤልያስ ብጣዕሚ የቀንየልና፡ዕድመን ጥዕናን ንኽልቴኹም ይምነየልኩም።❤🫶😎

  • @lemlemluulay6843
    @lemlemluulay6843Ай бұрын

    Wow ክቡር ሓውና ኤልያስ ኣማረ ዘቅረብካልና መደብ ነመስግነካ ክቡር ሓውና ጴጥሮስ ኣፈወርቂ ሓዉ ንክቡር መራሒና ወዲ ኣፎም ዝገርምዩ 9ይ ርእሱ ክጋደል ንሜዳ ኤርትራ ንናጽነት ሃገር ተሰሊፎም ሕጂ ድማ ጥማዕ ዝኽርታተይ ትብል መጽሓፍ ኣቅሪቡልና'ሎ ኩላትና ክንረክባ ድማ ተስፋ ንገብር❤❤❤❤❤❤❤❤

  • @almaztzegazeab2232
    @almaztzegazeab2232Ай бұрын

    ተጋዳላይ ጵጥሮስ ኣፍወርቂ እንኳዕ ደሓን መጻእካ🙏🇪🇷 መጽሓፍ ምጽሓፍካ ዘሕጉስ'ዩ ኢደይ ኢደካ ኢልና ክንገዝኣ ጂገና ሓውና 💪ሓርኮትኮት በሃላይ ሙቑሉል ምስ ኩሉ ሰብ ሕዉስ ደስ ትብሉ ስድራቤት 🇪🇷💪🇪🇷🙏🇪🇷

  • @abrehammebrahtu4222
    @abrehammebrahtu4222Ай бұрын

    ናይ ባሓቂ ብክልቴኦም ወገን ዘየሰልቹ ግዜ ደስ ዘብል❤❤❤

  • @dehabrezene8656
    @dehabrezene8656Ай бұрын

    ደኤቅ አፈወሪቅ ጀጋኑ ሰብ ሰረ God bless you .❤❤❤❤🌷🌷🌷🌷🌷🌷

  • @afewerkiaregai2869
    @afewerkiaregai2869Ай бұрын

    ብጣዕሚ ደስ ዝብል ሕቶን መልስን ነቲ ካልእ ከምዚ መደብ ዘዳልዉ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ብምርድዳእ ጀሚሩ ብምርድዳእ ተወዲኡ ጽን ኢልካ ምስማዕን ትዕግስትን ትመሀረሉ ካልእውን ጃህራን ኣነነትን ሙስሉይነቱን ዘይትሰምዓሉን ዘይትርእየሉን ኣዝዩ መሳጢ መደብ ዓወትን ኣሳልጦን ንኽልተ የሕዋት ሰሰናዩ

  • @tsegino5553
    @tsegino5553Ай бұрын

    ባባ ጴጥሮስ ኣነስ ገለ ኣንቢበ ካብ ገጽካ እዚ ከኣ ዉሽጢ ዝኣተወ ትዝታ ዓሚቅ ስምዒት ኣሎ ግን ከኣ ቃላት ይሓጽረካ ዘሎ ንኽትገልጾ ኮይኑ ይረአ ::ካብ ቃላትካ ንላዕሊ ኣብ ገጽካ ልቢ ዝትንክፍ ስምዒት ይረአ :'ካብኡ እዩ መስለኒ ከኣ ምሳኻ ክነብዕ ይደሊ ኣለኹ እንዳ ሰማዕኩኻ ከለኹ :: ስለዚ ዕድመ ጥዕና ይሃብኩም ::🇪🇷🇪🇷🇪🇷❤️

  • @zemehretweldemariamandehai6697

    @zemehretweldemariamandehai6697

    Ай бұрын

    ኩላትና ናይ ፍቅሪ ሃገርናን ፍቅሪ ስዉኣት የሕዋትና ሐበን ሃገርና ናይ ታሕጓስ ንነብዕ ኢና! አነ ናይ ብሪገድ ተስፋልደት ደርፊ "እልል በላ አደታት ሃየ ዓልላ" ክብል'ኮሎ ናይ ታሕጓስ ንብዓት ይነብዕ'የ።

  • @tsegino5553

    @tsegino5553

    Ай бұрын

    @@zemehretweldemariamandehai6697 ትኽክል ኣለኻ ::ባባ ጴጥሮስ ግን ዝያዳ ዓሚቅ ትዝታ ጌርሉ ምስ ረኣኹዎ ኢየ ስምዒተይ ገሊጸ እምበር ኩሉ ኤርትራዊ እኮ በዓል ረዚን ታሪኽን ዝኽርን እዩ ጽቡቅ :: ኣምላኽ ድማ ነዛ ብደም ሰማዕቲ ደቃ ዝኸበረት ሃገር ይዓቅበልና 🇪🇷❤️

  • @seareabraham6840
    @seareabraham6840Ай бұрын

    ግልጽነት ህግ ❤ ትሕትና ባባ ጼጥሮስ ፡ ኣብ ሂወተይ ካብ ዝርኣኽወን interview ኣብ ባሕሪ ሓሳባት ፡ ትካዘ ፡ ሓዘን ፡ሓጎስ ኣንሳፊፋትኒ ፡ ኩሉ ኣብ ባባ ጼጥሮስ ኣሎ ። ዕድመን ጥዕናን ይሃበለይ ፡በዚ ኣጋጣሚ ኩልኻ ንኡስ ወለዶ ነዚ ጅግና ኣቦና ንሓግዞ መጽሓፉ ኣብ ኢድና ንእትዋ ።

  • @saidberhanu8074
    @saidberhanu8074Ай бұрын

    ናይ በሓቂ ዝድነቕ ሰብ። Authentic and Genuine individual. I would love to hear more of him.

  • @abebaderar8298
    @abebaderar8298Ай бұрын

    አነስ መግለጺ ስኢነሉ ብጣዕሚ ጽቡቕ ዘይምኖ ታሪኽ ካልአይ ጊዜ ንኽትመጸና ትጽቢት አለኒ ዕድመ ጥዕና ይሃበልና ኤልያስ ሐውና ኸአ የቐንየልና 🇪🇷🌺❤️

  • @user-uj4jk5to8h

    @user-uj4jk5to8h

    Ай бұрын

    Abey eyu tegadilu dea hadimu dmexe kab sahl

  • @sinnithm.6972

    @sinnithm.6972

    Ай бұрын

    ​@@user-uj4jk5to8h አበይ ትፈልጦ ውኻሪያ እንዳቦይ አፎርቂ ጅግንነት እንበር ሀዳምነት ቦታ የብሉን አንታሽንቲ ሕሪቲ ቬተር ሙቊሉል ሰብዮ መጀመርታ ኽብሪ ይግብኦ

  • @user-uj4jk5to8h

    @user-uj4jk5to8h

    Ай бұрын

    @@sinnithm.6972 sint ham mejemrya entay ateweka benda dkala dlayey ybel resah guhaf drbay abey delo ggnnet kab sahl hadimom ab xbuk hager ynebru alewu lehasi teref meref sle dbuka diyom kurub drby yebullka meskinay mekalstom kihidom mexiyom

  • @ermiasnagash88
    @ermiasnagash88Ай бұрын

    አያና ዶ ክንብለካ አቦና ዼጥሮስ ስለቲ ዝገበርካዩ አበርክቶ የመስግን:: አጆካ በርትዕ ንመጻኢ ብዙህ ንጽበ::🎉🎉🎉❤

  • @yordanoskebede5339
    @yordanoskebede5339Ай бұрын

    Petros❤️🇪🇷🇪🇷🇪🇷you are polite and respectful gentleman❤❤❤I wish you a long life and good health❤️🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷❤️❤️🇪🇷

  • @Abebe45
    @Abebe45Ай бұрын

    ጴጥሮስ እንኳን ኣየሁህ ደስ ብሎኛል ኣሁንም ጎበዝ ኤርትራዊ ነህ proud of you .

  • @alemthank1135
    @alemthank1135Ай бұрын

    We need to encourage and support our writers by buying their books and that will also help them writing more books .

  • @FkreyesusWeldezghi
    @FkreyesusWeldezghiАй бұрын

    ክቡር ሓርበኛ ተጋዳላይ ፔጥሮስ እፈወርቂ። ከምዚ ናትካ ብዙሓት ኣርካናት ገድልና ተመክርኦም ብዝምልከት ዕድመ ከይ ቀደመ መጻሕፍቲ ከቕርቡልና ተስፋ ንገብር። እንተ ስድራ ቤት ክቡር እቦና ኣፈወርቅን ሓርበኛ ኣዴና ኣድሓነት ዝሕለፍኩሞ ቃልስን መስገደልን መወዳድርቲ ኣልቦ ኢዩ። ክቡር ፕረሲደንት ድማ ገለ ክብለና ተስፍ ንገብር። ኝኹልኹም ስድራ ቤት ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም። ሽሕን ዋልታን ኩኑ፡ ብዝሑን ሰስኑን፡ ወትሩ ዓወት ብሓፋሽ

  • @asterberhane-dw1ig

    @asterberhane-dw1ig

    Ай бұрын

    Yes he is Wright Peter and all family are blessed eritrea 🇪🇷 God bless all family

  • @zemehretweldemariamandehai6697
    @zemehretweldemariamandehai6697Ай бұрын

    ብቀዳምነት ዓቢ ምስና ንኽቡር ሐዉና አማረ! ኩሉ ተቅርቦ ማዓድን ማሃርን እዮ! እቲ ከበድቲ ቃላት እንግሊዝን ዓረብን ብትግሪኛ ትርጉሙ ፈይ ሰለተብለልና የመስግነካ! እጂ'ካአ ካብቶም ንፈትዉምን ንክብሮን ደቂ አቦይ አፈወርቂ ንጴጥሮስ አፈወርቂ ምቅራብካ የመስግነካ።

  • @HabteTareke
    @HabteTarekeАй бұрын

    ጽቡቕ ስራሕ ናይ ብሓቂ ምቕሉልነት ዝመልኦ ኣገላልጻ ዕድመን ጥዕናን ንኩልኹም❤❤❤

  • @eritree9794
    @eritree9794Ай бұрын

    *🌴🇪🇷 Eritrea 🇪🇷🌴* *Eritreanizm at It's Best.!* *In deed :-* *ምእንቲ ንዓና ክሕሸና ዕድመን ጥዕናን* *የሃቦ ክቡር ፕሬዚዳንት ኢሰያስ አፍወርቂ ።* *Thanks for your Sevice Kbur Tegadalay Petros Afworki.* *🙏Wetro Awet N'hafash🙏*

  • @melatstrass9787
    @melatstrass9787Ай бұрын

    በጣም ነው ኤልያሱ የማመስግነው እባክህ ጀርመን ነው ያለሆት

  • @bellighebremedhin9462
    @bellighebremedhin9462Ай бұрын

    ብጣዕሚ ጽብቕቲ መጽሓፍ💪🇪🇷 ጥዑምን ኣደንጋጽን ኣብ ውልቃዊ ሂወት ይኹን ኣብ ቃልሳዊ ሂወት ዝኽርታት ተባራብር❤ ብጻይ ጴጥሮስ ቀጽሎ🇪🇷🙏🙏

  • @rezeneasfaha2612
    @rezeneasfaha2612Ай бұрын

    ጴጥሮስ ሰብ ወደም ምስ ናፍቆቱ, ብሃንቀውታ ነዛ መጽሓፍን ንቃለመሕተትካን ንጽበዮ ኣሎና። "ጥማዕ ዝኽርታተይ" ወላ እዛ ኣርእስቲ ንባዕላ ነቲ ጥማዕ ዝኽርካ ናይቲ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝነበርናሉ መመሊሱ ኣድሚቑለይ, ምኽንያቱ ናይ 1979-1980 መወዳእታ, በይነይ ይደግሞ ነቲ ዝኽሪ ። ድሕሪ 43 ዓመት ይሰምዓካን ይርእየካን ምህላወይ መመሊሱ ባህታ ተሰሚዑኒ። ኣብቲ ኩሉ ጉዕዞ ግን ከምቲ በብዝነበርናዮ ኣሃዱ ድሃይ ንምፍላጥ እንውከሰሉ መገዲ ግን ይፈልጥ ነይረ እየ።ካብ ብቋንቋ ትግርኛ ብቋንቋ ቁጽሪ ክትዛረቡ ከም ዝቀለካ ይርደኣኑ እዩ። ምኽንያቱ ተራ ናይ ኦፐሬተራት ህ ግ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ኣበርክቶ ኣብ ቃልሲ ምንባሩ ስለዝዝክር።❤

  • @sinnithm.6972
    @sinnithm.6972Ай бұрын

    Thanks so much- potros Aforki ቬተር ካብ ጀጋኑ ስድራ ቤት ሐው ጅግና መራሕ ሃገር ከምዚ ዓይነት ሙቁሉልነት አብዛ ኼብሪቲ መሬት ሀገረ ሰማእታት ኤርትራ ጥራይ ይርከብ እም ጻማኩም ቅስንትን ብልጽግትን ምዕብልትን ሀገር ኽትሪኡ ዕድመ ይሀብኩም❤❤❤❤❤❤❤

  • @ZemenZemen768
    @ZemenZemen768Ай бұрын

    Thank you so much kubur tegadalay Petros Afeworki. Kemaka yebzahayo. Thank you for your dedication. Edmen teEnan naakan btsotkan.❤❤❤🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🙏✌️👍

  • @amannegus8465
    @amannegus8465Ай бұрын

    ግልጺ ኤርትራዊ ጅግና ሓው ጅግና ወድ ገዛ ከኒሻ ወድ ኤረይ

  • @ilovemycity6618
    @ilovemycity6618Ай бұрын

    ዋው ናይ ባሐኪ ብልሒ ሐልዬት ዝመሎኦ ዲስካስ አማረ እንድ ጴጥሮስ እንካ ናትና ኮንኩም ባሪቲ ቱዉ ክንጸበ ኢና 🇪🇷🇪🇷🇪🇷💪🏽💪🏽💪🏽❤️❤️❤️👍🏼👍🏼👍🏼

  • @neema1331

    @neema1331

    Ай бұрын

    Eway quanqa tegeriga 😂😂😂 knday kefli dika baxihka

  • @maryberhe5375
    @maryberhe5375Ай бұрын

    Thank you Mr. Elias and Mr.Petros A. We are so happy to see you, can’t wait to buy the book. 🙏🏽 ❤️

  • @neamihabtom7391
    @neamihabtom7391Ай бұрын

    Nimntay endboy Afewrike Tarik tabitu xnihu bejakum Tarik naza Sidra xbuik gerkum nigrna bejakum Thanks Petros Ayna

  • @alemthank1135
    @alemthank1135Ай бұрын

    Brother Elias I appreciate you for bringing such a talented writer and your hard work to encourage our writers and to introduce them to the public that will also help our language to develop to the highest level.

  • @tehtnawerasi3574
    @tehtnawerasi3574Ай бұрын

    ፔተር ሓወይ ጀግና መጀመርያ እንቓዕ ብሰላም መጻእካ ብሰላም ድማ አብታ ምቅርቲ ዓድካ ናብ ደቅካ ብሰላም ተመለስ❤ እዛ መጽሕፍ ከንብዳ ገንጺለ ክፍት አቢለ ከንብባ ምስጀመርኩ ኢየ ንብዓተይ ከምውዓጅ ነቢኤ ፔተር ማለት ሰብ ጠባይ ዝርዳእ ❤ ክብረት ሰብ ዘልዎ ፈቃር መምሕር ናይሒወተ ኢካ ❤ የቀኒየለይ ፔትር ምስንእሽተይ ንእሽተይ ምስ ዓቢ ምስ ድካ ምስ ሕሙም ዘይንእቅ ጀግና ሓወይ ኢካ ብእምነት ሓዊ መንግስቲ ሰማይ የዋርሶ ካልዓይ ሓዊ ካይንካኒ ❤❤❤❤ መጽሓፍካ ናይብሓኪ ጽቡቅ ከምዚ ከማካ ዝኮነ ተገዳ መጽሓፍ ጸሓፉ የቀኒየለይ❤❤❤

  • @tewoldekahsai8056
    @tewoldekahsai8056Ай бұрын

    He is very humble. May God bless you.

  • @ghenetabrha3834
    @ghenetabrha383428 күн бұрын

    I can listen to him evey day , very talented polite, intelligent amazing, keep going jegena . Thank you so much for your service 🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷❤

  • @ghenetabrha3834

    @ghenetabrha3834

    27 күн бұрын

    Where can I buy his book from London please

  • @davidyeh91
    @davidyeh91Ай бұрын

    ኤልያስ ዓርከይ፡ የቐንየልና ንብጻይ ጴጥሮስ ምምጻእካ፡፡ ጴጥሮስ ድማ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ፡ ሓሳብካ የስምረልካ።

  • @germatsionmesmer8992
    @germatsionmesmer8992Ай бұрын

    መርሓባ ወዲ ሓላል መሬት ተጋዳላይ ጰጥሮስ ኣፈወርቂ እንቛዕ ነዚ ጥማዕ ዝኽርታተይ ትብል ኣብጽሓካ❤🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🙏🇪🇷🇪🇷

  • @meritemn2520
    @meritemn2520Ай бұрын

    God bless you both Elias and Petros! The womb of the mother of seyti aboy Afwerki is blessed! All the families are quality like diamond! It is good he started writing because he is clearing all the fogs!

  • @user-qr5qn3tm8z
    @user-qr5qn3tm8zАй бұрын

    ናይ ባሐቂ ልቦኖን ትሕትናን ዘለዎ ኣጋላልጻ

  • @freweinitewelde7862
    @freweinitewelde7862Ай бұрын

    Petros hawey, I’m so glad you achieved this achievement, I’m so proud of you. Life is too short and I’m glad you took the leap to write the book and share your thoughts. Elias hawey thank you for having him.🙏🏼🇪🇷🇪🇷😘

  • @merhawiandegergish6416
    @merhawiandegergish6416Ай бұрын

    እዋይ ደቂ ኣፌ """ትርንዓት ገዛ ❤❤❤❤

  • @tsadiqjoohitekle1505
    @tsadiqjoohitekle1505Ай бұрын

    እንቋዕ ብሰላም መጻካ ብጻይ ወዲ ኣፍወርቂ ለጋስ ርህሩህ ሰብ ኢካ እሞ እንቛዕ ብሰላም መጻካ ዳግማይ

  • @delamieri1747
    @delamieri1747Ай бұрын

    Thank you Eliasina for the eternal dedication you doing to this community, God bless you more and we thank you for brought this humble hero to share his interesting experience❤🙏🇪🇷

  • @peace-1900
    @peace-1900Ай бұрын

    Tsbuk megletsi Petros & Elias Kulu seb zeyfelt buzuh selezerab bezaiba Kalisi family Asfeh tetebela tsbuk neru Bezeterefe tsbuk edil nay metsehafeka petro Ajoka Betrie , Wetru Awet N Hezebi Eritrea 🇪🇷 ❤Zelealemawi Zekrin kibrn N Semaietatena 🇪🇷

  • @efremmebrahatu8682
    @efremmebrahatu8682Ай бұрын

    ኩቡር ናይ ኩቡራት ብሓቅ ትሕትና ዝሞሎኦ ቃላት ብሓቅ ዝምዝገን ኣያና ኣቦና ዕድመን ጥዕናን ያሃበልና ተጋዳላይ ጵጥሮስ ኣፎወርቅ ብጣዓሚ የመስግነካ ከማካስ ይብዙሑልና ብዘይ ቀላዓለም ።ኣምላክ ንባዓልት በትካ እዛ ሓቀኛ ፈቃርን ራኢ ናትካ ዝተራኣያ ግዝብሔር ኣብ የማኑ ይቀበላ

  • @logo967
    @logo967Ай бұрын

    ናይ ባሓቂ ክልጽነት ዝሞልኦ ጴጥሮስ ኣፈወርቂ

  • @user-wi9wv7lb1l
    @user-wi9wv7lb1lАй бұрын

    ጴጥሮስ ሓውና ሰላም ፕርዚደንት ወዲ ኣፌ መጽሓፍ ክጽሕፍ ውን ንጽበ ቀጽሎ ኢካ ❤ኣብ ፍቅሪ ዘለካ እምነት ፍሉይ ኢዩ

  • @abitifili3597

    @abitifili3597

    Ай бұрын

    እንታይ ኢሉ ክጽሕፍ ታሪኽ እዚ ስድራ ክጉሓፍ እዩ ዘለዋ ከድዓት

  • @teweldeberketab5512

    @teweldeberketab5512

    Ай бұрын

    Wedi lemanit ika ​@@abitifili3597

  • @tesfamariamghebremariam4714
    @tesfamariamghebremariam4714Ай бұрын

    ብጻይ ጴጥሮስ የቐንየልና: ንድጉል ዝኽርኻ ብቅሉዕ ከተስተንፍስ ዘብቅዓካ ... !🎉✍️🇪🇷

  • @tsigetekie8166
    @tsigetekie8166Ай бұрын

    ዝገርም ግን ገዛ እንዳቦይ ኣፈወርቂ ዝኸፈልዎ ዋጋ ሓርነት ኢዩ ኣነ ኩቡር ፕረዚደንት ጥራይ ተጋደለ ይመስለን ኔሩ ንምንታይ ዘይተነግረሎም ነቲ ጸለሎ ዝለኪ ዘይናቶም ዛንታ ይዝርጋሕ እቲ ዛንታ ጅግንነት ተወፋይነት ግን ክዝርጋሕ ኣይጸንሐን ስድራቤት ኩላ ንገድሊ ወፊራ በል ኣጆኻ ቀጽሎ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ 🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

  • @yosefahferom6893

    @yosefahferom6893

    Ай бұрын

    @tsigetekie አነዉን ገሪሙኒ 🇪🇷🇪🇷❤️❤️❤️🇪🇷

  • @meharitedros4196
    @meharitedros4196Ай бұрын

    ዋው...ግዜ ጋላቢ ! ድሕሪ ነዊሕ..ዓመታት ብምርኣየይ ብጣዕሚ ደስ ኢሉኒ ጴጥሮስ ምቕሉል ዓቃል ዓቢ ሰብ ። ንስውእቲ ሃና ሰለሙን( መም/ ኣብ ሻባይት) ብምዝካርካ ንድሕሪት መሊስካኒ ክብሪ ይሃብካ ። በዛ ቦኽሪ መጽሓፍካ ድማ እንቌዕ ሓጎሰካ ። ኣዝየ ተሓጊሰ ። ዕድመን ጥዕናን ንዓኻን ንሙሉእ ስድራ ቤትካን እምነየልኩም ።

  • @user-qe8tz3gd3o
    @user-qe8tz3gd3oАй бұрын

    ሰላም ጀጋኑ ደቂ ኤረይ ኢልያስን ጴጥሮስን :: ጴጥሮስ ክኣ ጽንዓት ይሃብካ ንዓኻን ንሽኮራት ደቅኻን ❤❤❤ እንቋዕሓጎሰካን ኣብዚ ኣብጽሓካን ገዚኤ ክኣ ከንብባ እየ:: ኤርትራውነት ኩቡር መንነት::🇪🇷🩷🇪🇷🌼🇪🇷💕🇪🇷🪷🇪🇷❤️🇪🇷🌻🇪🇷🌺🇪🇷💜🇪🇷🫶🇪🇷👌🇪🇷👍👍👍

  • @merhawimenghstu9915
    @merhawimenghstu9915Ай бұрын

    Thanks our hero God bless you with your family

  • @rufilamisghina8504
    @rufilamisghina8504Ай бұрын

    ዋው ብጣዕሚ ደሰ ዝብል ዕላል ጽቡቅ ትንተና ጴጥሮሰ አፈወርቂ ዘይንፈልጦ አፍሊጥካና ኤልያሰ ❤የቀንየልና ቀጽሎ❤🇪🇷🌺💪🙏

  • @yonastesfai517
    @yonastesfai517Ай бұрын

    ብጠዓሚ ጽቡቅ ስራሕ፡ ኣብ ሂወትኩም ሙሉእ ጥዕና ኣብ ስራሕኩም ድማ ሙሉእ ዓወትን ኣሳልጦን ይምነየልኩም ደቂ ሓላል መሬት።

  • @tewoldekahsai8056
    @tewoldekahsai8056Ай бұрын

    He is very humble honest and genuine. God bless him and I really love him.

  • @user-jw5lk6lm5z
    @user-jw5lk6lm5zАй бұрын

    "ቅመም ሻሂ ኣይፈቱ ቅመም ዘረባ!" ቃል ኣቦና ኣቦይ ኣፈወርቂ።ዘገርም ኣበሃህላ፡

  • @Medrekino
    @MedrekinoАй бұрын

    Jast Fight you are Great raghterArtist i proud you ንፋዕ ደራሲ ኢኻ ከም ድላይካ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ ናብ ኤሮፖ ከተከፋፍልዋ ብህጹጽ ተስፋ ይገብር:: ከምዚኦም ተጋደልቲ ደረስቲ ኣቅሪቦም ኣብ ስደት ዝነብሩ:: 🇪🇷👌🇪🇷☝️🇪🇷👍🇪🇷👌🇪🇷☝️🇪🇷

  • @tsegino5553
    @tsegino5553Ай бұрын

    ከብደይ በሊዑኒ ብልውህንኡ ኣቦና ጴጥሮስ 🥲🥲ፈቃር በዓል ኪዳን

  • @anngreen3106
    @anngreen3106Ай бұрын

    For the first time i had to sit & listen ths long but wave of ideas. What a talent. I just came out of swimming pool & felt like fresh.

  • @robsnet7976
    @robsnet7976Ай бұрын

    Haw Petros, it is beyond my expression to explain your intelligence. simply more than enough. Ukhul-Turuf!! i wish you all the best in your next ink endeavor and I also pray that the Almighty God grants you health, happiness and prosperity with your beloved children. God bless Eritrea and incredible people!

  • @senaytewelde6326
    @senaytewelde6326Ай бұрын

    Wowww I'm so impressed!! Thank you Mr Elias for bringing such brilliant and heroic father and Mr Petros I can't wait to read your book. Let's keep going...birhan iyu kidmena deki Erey 🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

  • @genettekeste3951
    @genettekeste3951Ай бұрын

    ብጣዕሚ ጽቡቅ መደብ ሃናጺ ዝኮነ ክሎም ዘም ጀግኑና ዘዝሊም ታሪክ ኢንተ ዝጽሕፉ ።ታሪክ ዘይምጽሓፍ ኢዮም አብዚ ኩሉ ሽግር ዘጋጥም ዘሎ።

  • @erifreeone8083
    @erifreeone8083Ай бұрын

    May God Bless the Afewerki families, May God Bless Eritrea and Eritreans! Little that I know 9 members of his brothers pay their dues in the Eritrean Armed struggle.👏👏👏👏👏🌹❤️🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷. Congratulations Eliasom for inviting Tegadalay Petros Afewerki to the limelight.

  • @senaialem4022

    @senaialem4022

    Ай бұрын

    Omg except Petros and Iseyas one of his brothers were in struggle .

  • @tewoldekahsai8056
    @tewoldekahsai8056Ай бұрын

    Thank you so much. Proud to be eritrean and Eritrea is for eritreans only. I am proud of shaebeya. No shaebeya no Eritrea. Nine ethnic groups and one strong nation Eritrea.

  • @biniamteklemariam2202
    @biniamteklemariam2202Ай бұрын

    ብዙሓት ሃሱሳት ብሓፈሻ ታሪኽ ተጋደልቲ ጅግንነትኩም ከበላሽዉ ዘይ ምስልኹ ከሸክሙኹም ጸኒሖም ከመይ ጌረርኩም ተጻዊርክሞ ይገርመኒ ነዚ ዝኸውን ግብረመልሲ ከም መደብ ዝሓዝካዮ ኣሎዶ ብዘይካ ኤርትራውያን ስድራቤት ሙሉእ ናብ መርዓ እምበር ናብ ቃልሲ ዝወፍር ኣይርኣናን ብዝኾነ ቀጽሎ

  • @amano2961
    @amano2961Ай бұрын

    My family are Tegadelti and ati natu genuine azerariba nay derasii just touches you. Tegadelti I love you

  • @ferwinisiulu488
    @ferwinisiulu488Ай бұрын

    Thank you so much for your-serving our country 🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷❤️🇪🇷

  • @Eri61-
    @Eri61-Ай бұрын

    Good job, thank you for your service both of you ❤️🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

  • @tiebegirmai7006
    @tiebegirmai7006Ай бұрын

    Congratulations Petros hawey proud of you🇪🇷❤🎉

  • @user-wi9gd4mw4q
    @user-wi9gd4mw4qАй бұрын

    ደስ ኢሉና ሐዊ ጀግና መራሒና ስለዘምጻልካልና ጵጥሮስ ጀግና በርትዓብ ጎንካ ኣለና❤❤❤

  • @zidik313
    @zidik313Ай бұрын

    ቃላት ይሓጽረኒ ብሓቂ ምቅሉል ሓውና ጴጥሮስ ❤🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷❤

  • @asmarabella3658
    @asmarabella3658Ай бұрын

    "ኣንታ ሓው ፕረሲደንት ኢዩ መስለኒ" ኢለ ዝጀመርክዋ መደብሲ "ኣየ ፒተር : ኬፍ ዘለዎ" ኢለ ወዲአያ። ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጽላል ኣያኡ ኮይኑ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ስብእና ክሃንጽ ዝከኣለ ምቅሉል ተጋዳላይ ጴጥሮስ፣ ካብዛ ቃለመሕትት ጥራይ ክሳብ ክንደይ ገርህን ቅኑዕን ምዃኑ ይረኣየካ። ጽቡቕ ዕድል፣ ጥዕና ከኣ ይስዓብካ።

  • @kedestimedia4527

    @kedestimedia4527

    Ай бұрын

    ሓው እዮ

  • @rutahabte8262
    @rutahabte8262Ай бұрын

    Wedi Ery Elias amare edemen tenane yhabelna fetari nkulatkum 🇪🇷🇪🇷❤🇪🇷🇪🇷❤🇪🇷🇪🇷❤

  • @sammyabraham6645
    @sammyabraham6645Ай бұрын

    🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷❤️❤️🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷 God bless great Eritrea 🇪🇷 and the people, the land of heroes “ AWET NIHAFASH “ 👍

  • @weldeyesustsegai8968
    @weldeyesustsegai8968Ай бұрын

    ኣነ ብሓንቲ መሳርሕቱ ዝነበረት ሓብቲ ኣብ ፈንቅል 2022 እየ ተላሊዮ ብሓንሳብ ኣብ ድራር ተራኪብና ንጽባሒቱ ኣብ ግርጉሱም ቮሊቦል ተጻዊትና ልክዕ ከምዛ ትርእይዎን ዝገልጻ ዘሎን እዩ ኣብ ሂወቱ ምቅሉል ሰሓቂን ኣክባርን።

  • @senaitasfeha3383
    @senaitasfeha3383Ай бұрын

    Wedi afom hawuna jigna god bless you ❤❤❤❤🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷😘😘😘😘🙏🙏

  • @tesfayhabtay1079
    @tesfayhabtay1079Ай бұрын

    ኪብረት የሃብልና አማረ ጽቡቅ ሓበርታ አንቅብድሓ ሚጻእካ ጴጥሮስ ኣፈወርቂ ❤❤

  • @Merhawitesfamariam-kb2pf
    @Merhawitesfamariam-kb2pfАй бұрын

    ናይ ባሓቂ ጽብቁይ ኣጋላልጻ ተጋዳላይ ጴጥሮስ, ሕጂውን ቡዝሑ ነገቲፍ ዘረባ ክመጻካ አዩ ንዓኻ ዳውን ዝገብሩ በዚ ክይታናቀፍካ ቀጽል.

  • @EfrimGebremariam
    @EfrimGebremariamАй бұрын

    ብጣዕሚ ልገርም ሰብ ኣነጋግርኡ ብስለቱ

  • @merhawihabtai1133
    @merhawihabtai1133Ай бұрын

    Eritrean 🇪🇷, every Eritrean we have story behind we love you both ❤❤❤

  • @bisrattecle5640
    @bisrattecle5640Ай бұрын

    Thank you guys so proud eritrea 🇪🇷

  • @user-do7eh8yu3y
    @user-do7eh8yu3yАй бұрын

    Enda aboy afwerki Aradom tray aykonen brilliant. Mr petros is Just a genius freedom fighters well.. God bless you Mr petros and much thanx to Mr Elias Amare!! Mr amare you have been doing a great things for our country and our people 🙏 🙏

  • @user-oc3wi9xw3d
    @user-oc3wi9xw3dАй бұрын

    Great job ጴጥሮስ ኣፈወርቂ! I wish you long live and prosperity.I remember you when you were in Eritrean Embassy in Addis Ababa.

  • @fatmahhagus8730
    @fatmahhagus8730Ай бұрын

    ሰላም ኩቡር ሓው ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ገዛ ብምሊኢታ ናጽነት ሃገር ተዋፍርኩም ማለት ኣበይኑኩም ኣይኮነን ናይ ብዙሕ ኣረትትራዊ ኢዮ ግን ኢቲ ስመሰልካዮ ናይ ስድራና ዘረባ ክንዳካ ዘያክላ ባኣካ ይውዕላ ዝባህል ብጣዕሚ ኢዮ ዝውክለኩም ክብርን ምጎስን ንመላአ ኣብዚ ንናጽነት ዘበርከተ ይናኣሽ ይዕበ ደጊመ ክብርን ምጎስን ዓወት ንሓፍሽ❤

  • @Gunner77
    @Gunner77Ай бұрын

    ኣቦና ኣፈወርቂ ብሓቂ ወሊዶም ኢዮም ❤❤❤❤❤

  • @nolawi30com88

    @nolawi30com88

    Ай бұрын

    ኢይሰያስ ሓራዳ ገድፍካ እዚ ሓዉ ብሩኽ ይመስል

  • @Gunner77

    @Gunner77

    Ай бұрын

    @@nolawi30com88 መጀመርታ ምጽሓፍ ከኣል እሞ ብዛዕባ ኢሳያስ ክትዛረብ ። እዚ ዝጸሓፍካዮ ደጊምካ ኣንብቦ እሞ ማዕረ ክንደይ መሃይም ምዃንካ ክትፈልጥ ኢኻ ። ቆንዳፍ ውዒግን

  • @kidaneftsum4010

    @kidaneftsum4010

    Ай бұрын

    እወ ተዋሳእቲ ወሊዶም ሃገራውያን እንዳ በሉ ኣንድነታውያን 9 ንቃልሲ ወጺኦም ሓደ ስውእ ወይ ስንኩል ዘይብሎም

  • @Gunner77

    @Gunner77

    Ай бұрын

    @@kidaneftsum4010 እሞ ኪድ ገመድ ስቐል ጓሓፍ

  • @senaialem4022

    @senaialem4022

    Ай бұрын

    Petros tirufa, ewala.

  • @tesfamariambahta5660
    @tesfamariambahta5660Ай бұрын

    A wonderful discussion. Thank you both.

  • @hareguyemane9075
    @hareguyemane9075Ай бұрын

    God bless you and Thank wedi ER jigna Awet Nhafash ✊️✊️✊️🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷💯💯💕💕💕🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷

  • @amanuelmehreteab6082
    @amanuelmehreteab6082Ай бұрын

    Thank you, Elias for majestic presentation. Petros was my staff and I give my testimony that he was always showing his true nature which is a rare character and kept it to date. I am looking to read your book. I am sure other books will follow soon.

  • @bisratberhane9245
    @bisratberhane9245Ай бұрын

    Very impressive interview, humble and honest ever .

  • @janiwoldetinsae
    @janiwoldetinsaeАй бұрын

    Des zbl interview ❤ Ambesa wedi Aforqi jgna 🇪🇷 🇪🇷 🎉🎉

  • @selemawitgebremariam8966
    @selemawitgebremariam8966Ай бұрын

    Wawwwww Elisa Aemara! You are Gentleman, cool, smart and well experienced in life. I love your channel and I will follow you. One of Eritrean’ s Hero Man

  • @tesfamariambahta5660
    @tesfamariambahta5660Ай бұрын

    Wonderful job Elias

  • @yoha7441
    @yoha7441Ай бұрын

    ሓዊ ንፈትዎ ጂግና መራሒና ❤🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷👈

  • @senaittesfay7526
    @senaittesfay7526Ай бұрын

    You are magnific wonderfull we Love you uuuuu and we are proud of you jgnna 💪💪💪💪👍👍👍👍🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🔐🔐🔐🔐🔐

  • @bereketesak7370
    @bereketesak7370Ай бұрын

    ❤❤❤❤THANK you Bixay Petros ❤am so eager to have me this book❤

  • @aziebberhane563
    @aziebberhane563Ай бұрын

    እንቋዕ ኣብ መበል 33 ጽንብል መዓልቲ ነጻነትና ኣብቃዓኩም ። ጽቡቅ ስራሕ ክቡር ተጋዳላይ ጴጥሮስ ቅጽሎ❤🇪🇷

  • @yared1929
    @yared1929Ай бұрын

    Good to see you ፔጥሮስ ኣፈወርቂ. It has been 24 years since I saw/met you last. I used to see U at UOA and then Massawa two weeks before I left. I remember, the humble, friendly, funny and Sarcastic or teaser Peter I should say. I enjoyed your interview with Brother Elias. It was candid, honest, insightful and substantive. I encourage every Eritrean to read the book. Very fascinating story! You have incredible story telling abilities. I look forward to read the book as soon it is available here. Enjoy your stay and I hope to see more interviews with Brother Elias.🤠

  • @zularedsea3134
    @zularedsea3134Ай бұрын

    So,so fascinated thanks so much dear brothers, for your explanation... (ኣዝዩ ደስ ዝብል ኣስተምህሮን፣መብርሂታትን...) ብጣዕሚ የመስግን

  • @senaymehretab6143
    @senaymehretab6143Ай бұрын

    Welcome peter.i proud of you.i was saw you before 33 year's in Addis abbeba and i wish you all the best.

  • @janbessa7051
    @janbessa7051Ай бұрын

    ነቲ መሪር ጉዕዞ ሂወት ብመሪር ብድሆ ክትብድሆ (ክትስዕሮ) ኣብ ኤርትራዊ ጥራይ ኢኻ ትረኽቦ!! ዝሓለፍናዮም ብድሆታት ሓይልና ከዳኽሙ ጥምረትና ክብትኑ፡ሰላምና ክዘርጉ፡ ታሪኽና ከባላሽውን ከቕንኑን ከዘንብዑን ዘይፈተንዎን ዘይጸዓርዎን የለን። ለውላዋት ሰብ መልሓስ ብዙሕ ክህውትቱ ርእናዮም። ሰብ ሓቂ ክጉዕጸጹን ክብደሉ ውን ተዓዚብና። ንሓቂ ክትቀትላን ክትቐብራ ብኩሉ እንተጸዓርካ ፉጹም ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ ግዜ ዘይምልሶ ሓቂ ግን የለን። ንኩቡር ሓውና ኣያና ጴጥሮስ ኣፈወርቂ ሓው ኩቡር መራሒና ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ።❤

Келесі