VOE - Naz Yemane (20-Jan-2019 show) - ዕላል ምስ ሓርበኛ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) (P-1)

CKDU Voice of Eritrea - Naz Yemane ድምጺ ኤርትራ - ናዝ የማነ
ናይ Sunday 20 January 2019 show መደብ
ዕላል ምስ ተጋ/ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)
With Veteran Redie Kifle (Bashay)
ድምጺ ኤርትራ፡ ድሕሪ በዓላት ሓድሽ ዓመት፡ ስሩዕ መደባቱ ብምቕጻል፡ ንሰንበት 20 January 2019፡ ዕዱም ጋሻና ገዲም ተጋዳላይን ተቓላሳይን ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ጋሻና ኮይኑ፡ ሰፊሕ ገድላዊ ተሞክሮኡን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ምሳና ከዕልል ኢዩ። ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ። Sunday Jan 20-2019 voice of Eritrea is presenting veteran Redie Kifle (Bashay) to learn from his wisdom past and current Eritrea situation. All are cordially invited to join.
Recorded Live by www.snitna.com/ Sunday 20 January 2019 at 18:00 GMT
ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ርኣዩ። Past interviews here below:
------
1ይ ክፋል-A (20-Jan-2019)፡
• VOE - Naz Yemane (20-J...
1ይ ክፋል-B (20-Jan-2019)፡
To participate and listen Past Voice of Eritrea shows, please follow link below:
ዝሓለፈኩም መደባት ድምጺ ኤርትራ ንምስማዕን ንምስታፍን፡ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-
www.snitna.com/ckdu_radio_voic...
ድምጺ ኤርትራ ዝጅምረሉ፡ ወትሩ ሰንበት፡ ሰዓት፡-
Voice of Eritrea show is Broadcasted live Every Sunday at:-
---------------
• ኣስመራ Asmara = 9:00 ድቀ/pm፡
• በርሊን Berlin = 7:00 ድቀ/pm፡
• ዓባይ ብሪጣንያ UK = 6:00 ድቀ/pm፡
• ሃሊፋክስ Halifax Canada = 2:00 ድቀ/pm፡
• ዲሲ DC = 1:00 ድቀ/pm፡

Пікірлер: 15

  • @BETESEB1972
    @BETESEB19725 жыл бұрын

    ጽቡቅ ታሪክ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ

  • @johnkibreab3968
    @johnkibreab39683 жыл бұрын

    Wedi maimeshalu gobez

  • @wedieri3180
    @wedieri31805 жыл бұрын

    well came naz

  • @kibromeyasu9316
    @kibromeyasu93165 жыл бұрын

    ሰላም ኣዳላዊ እዚ መደብ ! ብታዕሚ ኢየ ዘመስግነካ ስለቲ ግዜካ ሰዊእካ ዓበይቲ መምህርን ፡ ናይ ታርክ ተመክሮ ዘለዎ Ridie ባሻይ ዝውዘራረብካዮ ፡ Ridie ባሻይ የቀንየልና ስለቲ ግዜካ ሰዊእካ ዝሃንካና ትምህርትን ተምክሮካን ። ብዙሕ ተማሂረ ካብ ቅድም ክፈልጦ ዝደሊ ዝነበርኩ ሎሚ ሳላካ ረኩበዮ ። ናይ በሓቂ ውጽኢት ኣንነትን ትምክሕትን ሻዕብያን ጀብሃን ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ ንዓና ከይተረፈ ኣጥፊእና ስደት ኣስፊርና ፡ ኤርትራዊ ኣብ ሳሕል ምልኪ ኢዪ ተማሂሩ መጹ ናይ በሓቂ ፡ ሕጂ ውን ካብኡ ተማሂርና ከምዚ ትገብሮ ዘለካ እንዳ ገበርካ ተመክሮካን እንተ ኣካፊልኩምና ዘይንስዕበልኩም ሞንያት የለን ፡ ምሳኩም ኣለና ሓድነትና ነደልድል ፡ ህዝብናን ሃገርናን ከነውሕስ ።

  • @user-mb5lg4hs8b
    @user-mb5lg4hs8b5 жыл бұрын

    ኣኮይ በል ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ገጽ ንግጽ ንራኣኣየሉ ግዜ ድማ የምጻልና

  • @danielwater1321
    @danielwater13215 жыл бұрын

    ጅግን ገዲም ተጋዳላይን ህቡብ ገጣምን ጽሓፍን ኮታ ልዑል ተውህቦ ስነጥበብን ስነልቦናን ሃገራዊ ዝቕስቅስ ውሽጣዊ ፍልስፍና ንድፊ እትውንን ኣያና ረድ'ኢ ክፍለ ባሻይ፡ኩሉ ግዜ ከምቲ ዝከታተለካ፡መጀመርያ ስለቲ ዓሚቕ ሃገራውነትናን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ሃገራዊ መድያዊ ቃልሲ እተርእየናን እትገብሮን ዘለኻ ብፍሉይ መሪሕ ናይቶም መሳቱካየ ዘመስግነካ፡ንመምህር የማነ ናዝ ምራሒ ናይዚ ረድዮን እዚ መደብዝን ከኣ ምሳኻ የመስግኖ። ብምቕጻል እዚ ኩሉ ንስኹም ከለኹም ብሂወት ከምዘየለኹም ኣብ ደገ ስለዝተሰደድኩም ጥራይ ተዓቢሱ ዝነበረ ቢሰያስን ለኣኽቱን ብመሪር ኣሕዛኒ ዝኾነ ሕማቕ ታሪኽ ዝተበተነ ጅግና ሰውራና 1ይ ወገን ሰውራ ኤርትራ፡ጅግንነት ጀጋኑ ኣቦታትናን ኣያታትናን ቀንዲ ሓቀኛ ሕምረት እቲ እሙን መልክዒ ሓቂ ክነግሩና ም'ኽ'ኣልኩም፡እቲ ካብ ብዓንተብ'ኡ ንዕላማ ኢሰያስ ብኪናት ሕድሕድ ብዘይሃገራውያን ሓይላታት ኢትዮፕያ ናይ ትግራይ ውድብ ኣሳቲፍካ፡ዘይ ሃገራዊ ናይ ውልቂ ረብሓ ዝሓለዎ ወንጀላዊ ኪናት ሕድሕድ፡ ብግጉይ ዘይሃርስውን ንህዝቢ ኤርትራ ዘይከውን ውድብ ስለዝነበረ ኢና ደምሲስናዮ፡ዝብል ወዘተ ከክፍ'ኡ ወንጀላት ብዝወቀበ ናይ ሓሶት ታሪኽዮም ነቲ ኣብ 91ናጽነት ዝጸንሖም መንእሰይ ወለዶ ክሳብዚ ሕጂ ህዝብና ዝደናገረሉ ዘሎ ግዜ ክነግሩና ጸኒሖም። ሕጂ ግን ሓሶትን ውዲትን ወንጀልን ዋላካ ክንዲ ደመና ኮይነን ንነዊሕ ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ይሸፍን'ኦምበር፡ ሓደ መዓልቲ ከም ግመ ግዜኡ ኣኺሉ ክብተና ከኣ ግድን ኮይኑ እንሆ ብመልሓስ ወዓልቱ ጀጋኑና ንቐስሞ እቲ ንስርዓይ ሃይለስላሰን ደርግን ፈጥፈት ኣቢሉ ዝነበረ ታሪኽ። ታሪኽ ውዕሎ ካብ 61-81 ትምል'ኡለይ እንተጎደለኒ። ስለዚ ሕጂ ውን ነዚ ህዝቢ ብምል'ኡ ብዝርግሐ ከተስምዕዎን ነቲ ዝነበሮ ግጉይ እምነት ከተምንዎን ሰዓቱ ሕጂ ይመስለኒሞ፡ ተቐዳደሙ፡ምስ ዕድሜኹም እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ምስ ናይ ስደት ብድሆታት፡ምስ ኩሉ ኩነታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገርና ከቢድ ናይ ብድሆ ሓደጋ ኣብ ዝኸባ ዘሎ ግዜ ተቕዳደሙ። ቀጺለ ቀንድን ክብላ ዝደለኹን ግን፡ኣብ ጥቓ መእተዊ ዘረባኻ ዝበልካያ ሓርበኛ ረድ'ኢ ክፍለ ባሻይ፡ ጠቒሰ ንእሽቶይ ክብል፡ ኣብ መጀምውርያ ንኽትስለፍ የማነ ንዘሓተተካ ሕቶ ክትምልስ፡ከመይ ነሩ ሃገራዊ ስሚዒትካ ምስ በልካዮ፡ ኢትዮፕያ ዘንቀጥቀጠ ኣብ ባህረዳር ዝገብውርኩሞ ሰለማዊ ሰልፊ ምስ ገለጽካ፡ ኢልካ ነዚ ሎሚ ዘሎ ምንቅስቓስ ናይዚ መንእሰይ ወለዶ ብምውድዳር ብሓፈሻ ገሊጽካዮ።ልክዕ ሓቅኻ ኢኻ፡ ግን ብብዙሕ ጸገማት ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ኣተሓሳስባ ናይዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ፡ እንከተወዳድሮ ከለኻ፡ ንስኹም እቶም፡ምሁርስትን ምኩራትን ዘየለለኹሞ ጸገም ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንሱ ታይዩ ኣነ ከም ዝብሎ ገለ ክጠቅስ፡ስርዓትን ስልትን ኢሰያስ ነዚ መንእሰይ ናይ ሎሚ መጀመርያ ነታ፡ዝፈትዋ ዘፍቅራ፡ኩሉ ግዜ ሕጉስቲ ክትከውን፡ዝደልያ ነብሱ ኣባኢስዎ፡ብድሕሪኡ ነቲ ኩሉ እቲ መንእሰይ ከም መንእሰይ ዝደልዮን ክገብሮ ዝምነዮን ኩሉ ንእስነታዊ ራኢታት ብታኣምር ጽል'ኢ ብዝመል'ኦ ኩነታት ኣምኪኑ ሃገራውነቱ ከምዝጸልእዩ ገሪዎ። ሃገራውነቱ ኣብ ሕርኽርሕ ኣትዩ ኣብ ሃገሩ ደው ከይብል ከኣ እቲ ስርዓት ብስውር ስመስረቶ ከም ኣጀንዳ ንምቅልጣፍ ጥፍ'ኣት ኤርትራ ንስደት ኣብ ነንጅድሕዱ ብዝግረዶም እናተጨኻኸነ ከምዝጠፍእ ገርዎ።ኣብዚ ከምዚ ዝመሰለ ስሚዒት ሃገራውነት ባይታ ከም ዝወድቕ ገይርዎ።ዳርጋ እቲ ንምውዳቕ ኤርትራ ዝተፈብረኸ ስርዓት ኢሰያስ ከኣ ተዛዚሙ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ስሚዒት ናይዚ መንእሰይ ንዕዘብ። ብሕጽር ዝበለየ ክገልጾ ፈቲነ ዘለኹ። ስለዚ ክብሎ ዝደለኹ ነዚ መንእሰይ የሐድስዎ ሕጂ ውን እቶም ሙኩራት ኣያታትና።መሃርዎ፡መጻሕፍቲ ከምብበሉ ዝኽእለሉ ሜላ ውንሓብርዎ ብመንጽር ተመኩሮኹም፡ሜላዊ ኣመሃህራኹም።ካብቲ ወዲቕዎ ዝጸንሐ ዲሞራላውን ትሕተ ሃገራውን ከኣ ኣበራብርዎ። በዚ ሕጂ ዝርእዮ ዘለኹ እንተተዓዝብና ካብ ግዜ ናብ ግዜ በዚ ብምምሕዳር ሃምየናዊ ኣቢ ንሰምዖ ዘለና ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ንህዝቢ ኤርትራ ዘቖጥዕን ንላኣላውነትናን ዝተናኽፍ ከምዚ ናይ ባቡር መገዲ ንባጽዕ ዝብል ተላዒሉ ዝቐነየ ጉዳይ መንእሰይ ይለዓል ኣሎ።ተኸታተልዎ። ኣተባብዕዎ፡በቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ናይ ደገ ቃልሲ ዝጸናሕኩሞ ኣይትጠምትዎ፡ ሕጂ ግን ይትስእ ኣሎ። ኣተባባዒ ሞያኹምን ተመኩሮኹምን ከመይ ትውስኽሉ ግን ኣነ ጸቒጠ መልእኽቲ የመሓላልፍ። ኣን መወዳእታ እቲ ኩሉ ብናይ ዳንካልያ ዝጀመረ ታሪኽ መግለጺ ውን ክረኽበሉ ውን ዘይከኣልኩ ተኣምር ርእሲ ዘለዎ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣያና ከማል ኢብርውሂም ዝገለጾ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ታሪኽና ኣማውታ ናይቲ ጅግና መሪሕና ዝነበረ ተጋዳላይን ኩሉቲ ዝነበረ ታሪኽ ክሳብ መውዳእታ ዝገልጾ ተኸታቲለዮምየ። ኣዝየየ ጉህየ፡በቲ ምእንቲ ኤርትራ ዝሓለፈ መስዋትን ጅግንነትን ትብዓትን ጭንቅን መከራን ግን ተሓቢነ። ስለዚ ንስኹም ኣብዛ ሕጂ እዋን ዓቢ ሓላፍነት ኣለኩም፡ ኣነ ብዕድመይ ብልክዕ ናይዞም ሕጂ ትዛረቡ ዘለኹም ኣብዚ መደብ፡ውካድኩምየ፡2ይ3ይ4ይ መትሎ ውላድኩም ይጀውንየ።በዚ ኣጋጣሚ ንከማል ሰላም በለለይ። 2ይ ደዋሊ ድዩ ገለ ኮይኑ ውን ድሃዩ ሰሚዔዮ ኣለኹ።

  • @ogbaizerabruck5841
    @ogbaizerabruck58415 жыл бұрын

    ሰላም ሓው ናዚ የማነ ዓበይቲ መማህራን ብቑዕትን ከም በዓል ባሻይ ረድኢ ክፍለ፡ ኣብ ዘንተ ሞጎት ክለሳ ሓሳብ፡ ብዛዕባ ውርሻ ኣባታዊ ባህልን፡ ፍሉይ ውህበት ኣፍልጦን ዘለዎም ብተወሳኺ ብሉጽ ክእላት ናይ ግጥምን ስነ ጽሕፉን ምስ ምልከት ቃንቃን ትግርኛ ዝውንኑ ብምቕራብካ ከየምስገንኩካ ክሓልፍ ኣይደልን። ዋላ ነቶም በቲ ሜዳ ዝሓለፍና ዝዋዕልናዮ ምልስ ኢልና ተሞክሮታት ብግብእ ንምግምጋም ደጊምና ክንስምዖ ከለና መሳጢ እዩ፡ እቲ መንእሰይ ወለዶውን ብዙሕ ክማሃር ከም ዝኽእል ዘጠራጠር ኣይኮነን ኣውንታዊ ውጽኢት ልህልውናን ካብዚ ሕጂ ብሰንኪ እቲ ሸፋጢ መስመር ምልኪ ህግድፍ ንምቅልዑውን ክሕግዘና የኽእለና እዩ። ቀጽልዎ! ሎሚ ካብ ትማሊ ብዙሕ ትማሃር እያ!

  • @danielwater1321

    @danielwater1321

    5 жыл бұрын

    Ogbai Zerabruck ብልክዕ ብድኻምኩም ብዘይምስልኹም ብወንጀል ኣደናጊሮሙና ዝነበሩ በዓል ሊቀሸይጣን ኢሰያስ ውን ክንፈልጥን ክበርሃልናን ኪኢሉ ኣሎሞ ቀጽልዎ።

  • @eritreaweymot
    @eritreaweymot5 жыл бұрын

    Atum nay qedem jeganu nskatkum bhwet kelekum hagerna zeyrebhu kxawetula keleyu entay ysmakum

  • @BETESEB1972
    @BETESEB19725 жыл бұрын

    ሓደ ነገር ኣሎ ዘሕዝነኒ እዚ ታሪክ ክትሰምዖ ከለካስ ከይተከፈሎ እሞ ድማ ዝከታተሎ ሰብ ድማ ውሑድ ብፍላይ እዞም ሓደሽቲ ወለዶ እንታይ ንከውን ኣለና

  • @kibromeyasu9316

    @kibromeyasu9316

    5 жыл бұрын

    ናይ በሓቂ ጽቡቅ ኣለካ ፡ ፅጽዋያት ክሰምዕ ትርጉም ዘይብሉ ፡ ኢዩ ግዚኡ ዘሕልፎ ።

  • @user-tq3bb2iw9m

    @user-tq3bb2iw9m

    5 жыл бұрын

    Ynab king Nsu endyu gerimni zelo neays kemzi aynet chance terekibus semai albo ygerm eyu

  • @merebaywedigash7249
    @merebaywedigash72495 жыл бұрын

    Wellcome Nazi and Bashay

  • @eritrea-sbketieritreabeaut2094
    @eritrea-sbketieritreabeaut20945 жыл бұрын

    ክቡር ባሻይ መተንፈሲ ይሃቦ ንህዝብና፣ ነቲ ዝነበረ ናይ ምትዕራቕ ውሽጣዊ ኣጀንዳ ናይ ውድባት ምዝራብካ። ብማንም ክሕባእ ኣይክእልን እዩ ኣብ መጽሂታትን ግሉጽ ጎስጎስ ዝግበር ከምዝነበረ ትዝክር ኢኻ። ስለ፡ዚ ነዚ ሓቢእካ ወይ ከምዘይነበረ ንዝኣምኑን ዝዛረቡን ሓጥያት እዩ። ኣብ ውሽጥና እምነት ንምዕባይ ግልጺ ምኾን ንናይ ሕጂ ኩነታትናውን ኣገዳሲ እዩ፣ ሕጂ፡ውን ንልዕላዊት ኤርትራ እንተኾንና። ብርዲኢተይ ናይ ስነሓሳብ ጸገም ዘይኮነስ ብዘየገድስ ኣብ'ቲ ቀዳማይ ነጽነታዊ ሕቶ ጠጠው ዘይምባል እዩ። ኣቶ ኢሰያስ ሕጂ'ውን ናብኡ ኣዩ ዝመልሰና ደሎ ዋላ ድሕሪ ነጻነትን ምጉንጻፍ።እቲ ጉዳይ ንስልጣንካ ብሃገርን ህዝብን ምጽዋት እዩ። ብዝኾነ ኣብ ሕብረተሰብእዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ክቡር ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ምንባርካ ዕድለኛ ኢኻ ኣቲ ዝጠዓየ ምምሕዳር ምንባሩ ግሉጽ እዩ ኔሩ። ኣቲ ሃገራዊ ቃልሲ ስለዘይተወዳአ ምኩራት እሕዋት ንዑ በሉ ንመንእሰያት፣ ናይ ምጥራናፍ ግደ እንተጻዊትኩም ሓባራዊት ገዛና ኤርትራ ክትህሉ እያ እንተዝይኮነ ኣብ 77-80 ኢና ንምለስ ዘሎና። ሰናይ ትምኒት ንህዝብና!

  • @sahlemeskel9023
    @sahlemeskel90235 жыл бұрын

    with all do respect to ur political opinion- Radie it was only about 5% of ELF fighters know about Marxism and Leninism the rest were peasants and iliterated-

Келесі