Dehay Eritrea ዶክተር በረኸትን ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተኣሲሩ ምስዝተቐትለ ብጻይ ጎይትኦም ኣብ ፋሕ ሳሕል እንታይ እዮም ተዘራሪቦም? ደሃይ ኤርትራ

Dehay Eritrea ዶክተር በረኸትን ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተኣሲሩ ምስዝተቐትለ ብጻይ ጎይትኦም ኣብ ፋሕ ሳሕል እንታይ እዮም ተዘራሪቦም?
ቃለ መሕትት ምሰ ዶክተር በረኸት
5ይ ክፋል -
ኣደላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት ( ዓካ-ዓካ)
ደሃይ ኤርትራ

Пікірлер: 62

  • @amra5753
    @amra5753 Жыл бұрын

    Thankyou. All. For. Teaching. Iam 47 years old. Iam not. Well. Educated.

  • @yosefberhe8630
    @yosefberhe86302 жыл бұрын

    አስማት ምጥቃስ ኣይደልየን ኢዩ ? ናይ ህይወት ምስክር ኢካ ሕጂ ከለካ እቲ ትአምነሉ ኩሉ ኣስማት ከይተረፈ ዳሕዳሓዮ

  • @amenamen8983
    @amenamen8983 Жыл бұрын

    Brket R.I.P

  • @teweldemedhinmogos3259
    @teweldemedhinmogos32592 жыл бұрын

    What a wonderful Testimony, Dr Bereket please you have to compile this as Biographical history of your journey of your life, we read Mandela and others WHILE we have rich treasury of all our heros like Dr Bereket

  • @owlwatchingu8956

    @owlwatchingu8956

    Жыл бұрын

    I don’t trust anything that comes out of this old man. He always have the knack of twisting and lying.

  • @titihaile4514
    @titihaile45142 жыл бұрын

    ስላም ሳሙኤል ከምኡውን ዶ/በረከት የቀንየልና ነህ ትህቡና ዘሎኩም ኣገደሲ ታሪካዊ ፍጻሜታት። ዶክተር በረከት ነዚ ዛንታ ናይ ብጻይ ጎይቶኦም ነቲ ዝነበሮ ጸገም ከተቃለሉ ምኳኑ ስለ ዝፈለጠ ሓግዘኒ እባ ኢሉካ ኣብቲ ጸልሚትሉ ዝነበሮ ግዜ!! ንስካ ግን ድሕሪ 45 ዓመት ኢካ ከም ዛንታ ተምጾ ዘለካ፣ ካልእ ይትረፍ በቲ ዝነበረካ ክእለት ኣብ ዓለም ከተእውየሉ/ከተእውየሎምውን ኣይከኣልካን።ከምብጻይ ጎይቶኦምን ካልኦት ዝኣምስሉ ኣሕዋት ግን ምእንቲ ሓቂ ስለ ዝሓቀቁን፣ ዝተዋደቁ ግን ንዘንት እለት እቲ ኣውያቶም፣ቃንዘኦም ግን ኣብ ነፍሲወከፍ፣ ቂም ቂም ኣብ ኣተሓሳስባና ዝተወረቀ ኢዩ።

  • @mulugiorgis5326

    @mulugiorgis5326

    2 ай бұрын

    8

  • @menkafirst
    @menkafirst2 жыл бұрын

    ይቅረታ ብዙሕ መቐጸልታ ዝጸሓፍኰዎ ተደምሲሱ ኣጋጣሚ ተደምሲሱ። ካልኣ ግዜ ክቅጽለልኩም። ብ 1976 ምስ ብጻይ ጎይትኦም ተኣሲረ ስለዝነበርኩ። ንሕጆ ሓንቲ ሓበረታ ክህበኩም፣ እቲ ኣፍ5 ኢለ ጠቂሰዮ ዘለኹ ብርሃነ ኣብርሀ እዩ ሕጂ ብዛዕብኡ ዝበሃል ይሰምዖ'የ፣ እቲ ኣነ ጠቂሰዮ ዘለኹ ናይ ሽዑ ታሪኹ' ዩ።

  • @rakiraki2328
    @rakiraki23282 жыл бұрын

    🥰🥰🥰🥰

  • @letigebrekristos3282
    @letigebrekristos32822 жыл бұрын

    ኣሕሕሕሕሕ እዋይ ኣብታ እዋን እቲኣ ከም ገለ ጌርካ ክትሕግዞ እንተትኽእል ሕጂ ብሂወቱ ምሃለወ። መስኪናይ ቁኑዕ ሰብ ብላሽ ጠፊኡ። መሳኪን እንታይ ክገብሩ ድኣ ኣንጻር እቲ ዝርእይዎ ዝነበሩ ኩፉእ ተግባር ተዛሪቦም ይኾኑ እምበር።

  • @berhanezewede1963
    @berhanezewede19632 жыл бұрын

    ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ማለት ሓደ ካብቶም ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸበ ኮይኑ ንፋሉላዊ ኣካይዳ መሪሕነት ሰውራ ንምእራም ዝተበገሰ ኣብ ፊት ክፍሊ ታዕሊም ፊቶውራሪ ንሸነኽ ምዕራብ ዝነበረ ስንጭሮ ብቁጽሪ(4)ዝፍለጥ ተኣሲሩ ነይሩ። ድሓር ካብቶም ዝተረሸኑ ሙሁራትና ኢዩ። ስለዚ ክቡር ደኩተር በረኸት ብዙሕ ትፈልጦ ምስጢራት ስለዘሎ ብሂወት ከለኻ ከተውጽኦ ይምሕጸነካ።

  • @eritreanfarmchannel2084
    @eritreanfarmchannel2084 Жыл бұрын

    We're alive Deki Lgoch wa we the most in history

  • @keseteberhan7769
    @keseteberhan77692 жыл бұрын

    Right now Eritrea and Eritrean people needs people like you. Pls use your education to organize the diaspora Eritrean.

  • @tsbitbahgei9878
    @tsbitbahgei98782 жыл бұрын

    11:27 😢😭

  • @menkem511
    @menkem5112 жыл бұрын

    ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ኩቡር ኣቦ

  • @sint6220
    @sint62202 жыл бұрын

    ታሪኽ ኢዩ እሞ ድማ ሂወት ሰባት ዝተኸፍለሉ ኣጋጣሚ ሲ ንምንታይ ኢኻ ስም ምጥቃስ ኣይድልን ትብል ዶክተር ? ታሪኽ'ዩ ኣስማት ውን ክጠቅስ ይግባእ ገበን /በደል ተፈጺሙ ሲ ስም ምጥቃስ ኣይድልን ትብል

  • @tesfitkubrom8730

    @tesfitkubrom8730

    2 жыл бұрын

    Teamr eyu ezom endom kefiomna ahhhhhhhhh

  • @danielhasho5331
    @danielhasho53312 жыл бұрын

    Dr Bereket, u deserve respect. We Eritrean r foolish not recognised ur contribution to the nation.

  • @enoghe9474
    @enoghe9474 Жыл бұрын

    በቲ እዋን እቲ እቲ ውድብ ሕማቅ ከምዝኾነ ይፈልጥ እንተ ኔሩ እዚ ኣቦና ንእምንታይ ድሕሪ ናጽነት ነዚ ሕማቅ ግብሪ ክኽፈትን ህዝቢ ክፈልጦን ዘይጽዓረ

  • @shalomggh1208
    @shalomggh12082 жыл бұрын

    Thanks you Dr bereket very knowledgeable person and keep expressing ur knowledge to the young Eritrean. Samuel good job keep going and will support you to your channel.

  • @samuelghebreghiorgis5603
    @samuelghebreghiorgis56032 жыл бұрын

    ዳርጋ ኩሎም ታሪኽ ገድሊ ዘዘንትዉ ሰባት፡ ስም ክጠቕሱ ኣይደልዩን ኢዮም። ምናልባት ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ንበል ድሕሪ 40ዓመታት፡ ታሪኽ ዘጽንዕ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ነዛ ኢንተርቪው ድሕሪ ምስማዕ፡ ዶር በረኸት ሙሉእ ሓበሬታ (ስም'ታ ሰበይቲ) ኣይገደፈልናን እናበለ፡ ንኣንበብቱ ከርድኦም ኢዩ። 😁

  • @gebeyalebu1644

    @gebeyalebu1644

    2 жыл бұрын

    ኣቶ በረኸት ሃብተስላሴ (ፐችዲ) ነገራት ኣብ ምግናን ዝተፈለጠ'ዩ :

  • @samsomtsaeda9882
    @samsomtsaeda98822 жыл бұрын

    Name them all

  • @gedemb1961
    @gedemb19612 жыл бұрын

    Very interesting history long live dear Doctor Bereket.

  • @abebaberakhi6912
    @abebaberakhi69123 ай бұрын

    Eieh rgumat eway mot mot thamm beqa

  • @user-tl1ef3zi2e
    @user-tl1ef3zi2e2 ай бұрын

    5ey kifal

  • @user-et1ls7pk8k
    @user-et1ls7pk8k2 жыл бұрын

    እንኳዕ ብሰላም መጻኩም ዶር በረከት ደስ ዝብል ታሪኽ እዪ

  • @mumeryoutube5903
    @mumeryoutube59032 жыл бұрын

    My youngest generations , lam an old mother and I couldn't get education chances as child. Please youngest Ertreans an education and to be educated is a key and vital of life also deal with ur life!! DR Bereket is highly educated. The Proverbs says wisdom of kink Solomon!!

  • @jordantsehaye3170
    @jordantsehaye31704 ай бұрын

    እዛ ጅግና አደይ ሮማ ሰለሙን ጌና 1994 ንሕና ስለ ዘይተምሀርና ገባር ስለ ዝኾነ ንናጽነት ንማዕርነት ንፍትሒ ዲሞክራሲ እንዳበሉ ሚሂሮምና ንሶም ግን ፍትሒ ዲሞክራሲ ማዕርነት ቀቢሮም ናጽነትጥራ ሓዞም መጽም ትብል 2003 ክአ እቶም ሙሁራት ዝበሉና ጸማም ሐደ ደርፉ ከምቲ ዘንቅሑና ይመስለና ነይሩ ንሳቶም ግና ጨካናት ምእሳርን ምቅታልን እዩ ነይሩ ዕላምዖም ትብል ብሐቂ ናይ ሐንጓል ሊቅን ሐቀኛን እያ ነይራ

  • @Awet607
    @Awet6072 жыл бұрын

    Eta chru dmxa kTem

  • @berhehagos864
    @berhehagos8642 жыл бұрын

    እዋይ ትሓምሽሸኒ ጡዑም ኢሂን ሚሂን ምብኃሃል የቐንየልና

  • @yemanegebrehiwotwoldemaria5938
    @yemanegebrehiwotwoldemaria59382 жыл бұрын

    Dr. Bereket, can you say something, on Abdu Rahman Babu's prediction of Independent Eritrea's role in Africa, vis-a - vis what it turned out to be?

  • @tokhondae.abatimer8734
    @tokhondae.abatimer87342 жыл бұрын

    Anta.kheddae.kebdikha.ab.zimerhaka.tiseddif.niakhas.ab.madia.yemsukha

  • @robichannel7718
    @robichannel77182 жыл бұрын

    ሰላም ኩቡራት ይሕዋት ናይ፡መንፈሳዊ መደብ ክጅምር ደልየስ ኢደይ ኢድካ በሉለይ እባ ሳብስክራብ ኣብ ፑሮፋይለይ የቀኔለይ,..

  • @M-vr7zo
    @M-vr7zo2 жыл бұрын

    ቶኩሶ ኣጆኻ ዶር።ተኾርሚኻ ሞቴ ኣስፊሕካ ሞቴ ኢዩ።

  • @gebeyalebu1644

    @gebeyalebu1644

    2 жыл бұрын

    ዝትኮስ የብሉን :

  • @eritrea91
    @eritrea912 жыл бұрын

    ነዚኦም ታሪኽ ጸገብ ምሁራት ኣብ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝነበሮም ንጎኒ ገዲፍካ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብበዓል ሶፍያ ዝኣመሰላ ናይ ፖለቲካ ሽርሙጥና ዘካይዳ ክትውከል ንኤርትራ ዕርበት'ዩ። ዶ/ር በረኸት ዘሕብን ዛንታ ኣለካ፡ ሃገር ብኣኻ ሕብንቲ'ያ።

  • @EyobGhebreziabhier
    @EyobGhebreziabhier2 ай бұрын

    'Dehay Eritrea ዶክተር በረኸትን ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተኣሲሩ ምስዝተቐትለ ብጻይ ጎይትኦም ኣብ ፋሕ ሳሕል እንታይ እዮም ተዘራሪቦም?'' What kind of combined words are these? ''እንታይ እዮም ተዘራሪቦም?'' ??? እንታይ በሉ?

  • @primokorso1058
    @primokorso10582 жыл бұрын

    @ 30:00. ERITREAN MILITARY MIGHT. Out-of all Dr. Bereket-ab's speeches and writings that statement is the most important. Even today the Eritrean Military should be the the nucleus for democratic change.

  • @muluezerezgi4747
    @muluezerezgi47472 жыл бұрын

    ኣለምሰገድ ድኣ ክሳብ ሎሚ ኣብኣ እንድዩ ዘሎ፣ ብሓሶት ይውድኣ ዛ ዓለም። እዞም መእወይቲ ተጋደልቲስ ያኢ ንዓና ነጻ ክገብሩ!?

  • @berea.5579

    @berea.5579

    2 жыл бұрын

    ንነብስኻ ኣቦትም ኼኀካ ርኣያ:ቃንዛ ምስበዝሓ ዘይትቅንዞ ነብሲ ድኣሞ: ሃይለ ጀብሃ እቲ ቀጥቃጣይ ትኣሲሩ ጠፊኡ who knows he might have cried

  • @sawrawidegans2900
    @sawrawidegans29002 жыл бұрын

    Klte xoguri abqulka thsu Ane wedi adi nfas eye kemzi kemaka leyba gn riea ayfeltn eye

  • @M-vr7zo

    @M-vr7zo

    2 жыл бұрын

    ከምኡ ኣብቓልዕ ወጺኻ ዘአትምክቶ። ጌጋ እዩ ብማዕዶ ኾንካ ሓሳዊ ምባል።

  • @menkafirst
    @menkafirst2 жыл бұрын

    ሓደ ሰብ ዝፈልጠኒ ነዛ 5ይቲ ክፋል ከንብባ ሊኢኹለይ። ርእይቶይ ኣብዛ ኣርእስቲ ዝምርኮስ'ዩ፥ እቲ ካልእ ስለ ዘይረኣኽዎ። ኣነ ብ1974 ካብ ኢትዮጽያ ዩኒቨርሲቲ ዝተሰለፍኩ'የ። በቲ ግዜቲ ህሓሓኣ ከባቢ 350 ተጋደልቲ ነይሮም። ሓለዋ ሰውራ 3ተ ግዜ ኣትየ ተቀጥቂጠ ይፈልጦ'የ። ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣርትራ፣ ዋሕዲ ናይ ምሁራት ተጋደልቲ ኣይነበረን፣ ምስ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ዕጥቃዊ ቃልስታት። ኣብነት ብ1975 ዝተዓወተ ቃልሲ ሞዛምቢክ (ሳሞራ ማርሸል ዝመርሖ ዝነበረ) ምሁራት ከምዚ ናይ ኣርትራ ኣይነበርዎን። ቀቅድሚ ምዕዋቶም ን12 ዝኾኑ ናይ ተግባረ ኢድ ስኮላርሽብ ከም ዝረኸቡ ይሕበረና ነይሩ። ኣባና ግን በቲ ግዜቲ ኣነ ገለ ካብ ዝዝክሮም፣ ዶር ( ዓንዶም፥ ብርሃነ፥ ንርኣዮ፥ሃይለ ምሕጹን ድሓር ንርእሰ ፋሺስቲ ኢሳያስ ዝረዓመ፥ በረኽት ሃብተስላሰ፥ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፥ ሀይለ መርቀርዮስ ወዘተ ዶር ብእምነት ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ከልኹ ተሓቢረ። እዞም ኩሎም ምሁራት ዝጠቀስኩውም ደግፍቲ ኢሳያስ/ገለ ድማ ተደናግጽቲ ሰለሙን ወልደማርያም። ማስተርስ ዲግሪ ካብ ዝነበሮም ከም ብዓል ገብሪኣል ፋሲል። ከም በዓል ዶር ተኽልማርያም ዘጎ ናይ ኣርትራ ቨትረናሪ ሓላፊ ዝነበረ እቲ ጊየጋ እንዳ ኣመነ ብፍርሒ ሰጥ ኢሉ ስርሑ ዝሰርሕ ኣብ ኣኸባ ፈጺሙ ዘይሓትት። ከምኡ'ውን ወዲ ሓውቦኡ ኪዳነ ጽገ'ዩ ዝበሃል ይመስለኒ ኣብ እንዳ ቺፖሊኒ ሓላፍነት ዝነበሮ ወዲ ኮርባርያ ማስተርስ ዝነበሮ። ከምኡ'ውን ብ ኣፍ 5 ( ጀት ውግእ ኣመሪካ) ሳጋ ዘውጽእሉ ንሳቶም። ክሓምዩ እንተጸኒሖም ንሱ ክመጽእ ኣማዕድዮም እንተሪኦሞ ኣፍ5 ዝብል ሓበረታ ብምሃብ ኣርእስቲ ዕላሎም ይቅይሩ። ዶር በረኸት ሃብተስላሰ ካብቶም ኣዝዮም እሙናት ርእስ ፋሺስቲ ኢሳያስ ኣፈውርቂ'ዩ ነይሩ። ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ብጻይ ዝበሃል ነታ ኮምረድ ትብል ናይ እንግሊዝ ቃል ብብጻይ ስለዝተርጎማ'ዩ። ደር በረኸት ኣብ ሓለዋ ሰውራ ንብጻይ ጎይትኦም ረኺበዮ ሓግዘኒ ኢሉኒ ዝብሎ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ'ዩ። 1 ኣብ ሓለዋ ሰውራ ብምንም ተኣምር ብደገ ዝመጽእ ኣንኩዋን ምስ እሱር እሞ መንካዕ ክራኸብ በቲ ኣከባቢ ክሓልፍ ኣይክእልንዩ። 2 እንተ ኣትዩ ኮይኑ ንፍሉይ ስለያዊ ተልእኮ ብ ኢሳያስ ወይ ሰለሙን ወልደማርያም ንእከለ ረኺብካ እዝን እትን ኢልካ ጸብጻብ ኣምጽእ ተባሂሉ ምስ ዝለኣኽ'ዩ ከምኡ እንተኾይኑ ድማ፥ ንብጻይ ጎይትኦም በርሀ ኣብ መገዲ ኣይኮነን ዝረኽቦ ኣብታ ተኣሲሩላ ዝሎ ስንጭሮ'ዩ። እሱራት ነንሕድሕዶም ኣይረኣኣዩን' ዮም። ካብ ንግሆ ስጋብ ምሸት ድንን ኢልካ ኢኻ ትውዕል። ዋርድያ ኣለው። በረኸት ክረኽቦ እንተኾይኑ ሃይለ ጀብሀ፣ መጺኡ ጋሻ ኣለካ ርእስኻ ኣቅንዕ ዝብል መምርሒ ክህቦ ኣለዎ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና ፥ ብጻይ ጎይትኦም በርሀ ናይ 1976 2ይ ምንቅስቃስ መንካዕ ትመር

  • @keseteberhan7769
    @keseteberhan77692 жыл бұрын

    This is Eritrean history and u r giving a testimony of the past, why u prefer not to mention the names of martyrs. Some opportunities people wants to hide the Eritrean people's history and it will buried with them. SAD!

  • @etcetera3282
    @etcetera32822 жыл бұрын

    Such great citizens should have been honored by their country...and generations respect them, learn from them. But we've been made to discredit and disrespect the greatest amongst us. What a tragedy. What a regime...group of gangs we've in our country is unbelievable.

  • @tesfamariamtewoldeberhan4731
    @tesfamariamtewoldeberhan47312 ай бұрын

    ካብ አቲትራውነት አትዮጵያውነት ትኣምን አዚ ኣብ ትጋራይ ዝውርረደ ንስዝካ ምስ ፕሮፈር ተስፋጽየን ኮንፈደረሽን ኢልኩም ዝጀመርኩሞ ኣበይቲ በደለጛታት ሽየጥቲ ኣዱ ኢኻ ትምከ ዝይትብል 😂😂😂😂😂😂🎉

  • @habtomtesfaldet2614
    @habtomtesfaldet26142 жыл бұрын

    ስርናይ ረድኤት በሊዖም ከብዶም ዝተነፍሑ የእዱግ ዓጋመ።

  • @dudududu7590

    @dudududu7590

    2 жыл бұрын

    Eti. Texehfo zalka wen. Eko ( fedal ) nay tegaru eyu wedza. Denkoro

  • @Robeltk

    @Robeltk

    2 жыл бұрын

    ዶቆሮ ሃብቶም ዘይኮኑ ሓተላ ክብሉኻ ኔርዎም እቶም ስድራኻ

  • @asmarah3174

    @asmarah3174

    2 жыл бұрын

    @@Robeltk ነቀዝ ዝወደኦ ስርናይ

  • @asmarah3174

    @asmarah3174

    2 жыл бұрын

    @@dudududu7590 ተጋሩ ካብ መኣስ ትግርኛ ትዛረቡ ?፡ ዘይትፈልጦ ድማ ናትካ ክኸዉን ኣይክእልንዩ " ብተለይ ቡና እናሰተኹ ልጫወት ተለኩ ያውዩ ምንም ኣይብልን" እና እዚኣ ድያ ትግርኛ? ቐቲልኩምኮ

  • @samuelghebreghiorgis5603

    @samuelghebreghiorgis5603

    2 жыл бұрын

    @@asmarah3174 ትግርኛ ሓማሴን (ትግርኛ ዓንሰባ፣ ትግርኛ ሎጎጭዋ...ን)፣ ትግርኛ ሰራዬ (ትግርኛ ቆላ ሰራዬ፣ ትግርኛ ጉሕጺኣ፣ ትግርኛ ዓይላ ጉንደት)፣ ትግርኛ ኣከለጉዛይ፣ ትግርኛ ሽረ፣ ትግርኛ እንደርታ፣ ትግርኛ ደጉዓ/ቆላ ተንቤን፣ ትግርኛ እንደርታ፣ ትግርኛ ዓጋመ፡ እዚ ኩሉ ትግርኛ dialect ኢዩ። ነዚ ዝፈልጥ ግን ብዛዕባ linguistic ዝፈልጥ ጥራሕ ኢዩ።

  • @fishoimrara
    @fishoimrara10 ай бұрын

    ኣረጊት ዝብኢ!

  • @berhanezewede1963
    @berhanezewede19632 жыл бұрын

    ደኩተር በረኸት ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ። ብሰንኪ እዚ ረሳሕ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ካባኻ ክረኽብዎ ዝግባእ ረብሓ ብዘይምርካቦም ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ።

  • @BekTesfa
    @BekTesfa Жыл бұрын

    RIP btsay Goitom. DIA removed all the finest and brightest if they were not totally submissive to his rule. He was left with the fool and the conformist. The G-15 probably had to conform for as long as they did until they said enough is enough and he showed them their fate. All this blood and injustices will not go away easily. It will call back at some point.

  • @berhanezewede1963
    @berhanezewede19632 жыл бұрын

    ሃይለ ጀብሃ ማለት ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ዝነበረ ኮይኑ ብኣሽሓት ሙሁራት ዜጋታትና ዝበልዐ ድሕሪ ገለ ዓመታት ንባዕሉ ዝተቀንጸለ ኣራዊት ሰብ ኢዩ።

  • @donbosco3732

    @donbosco3732

    2 жыл бұрын

    ድሓን ኣፍልጦ ዘለኻ ኢኻ ትመስል እሞ ሓደ መዓልቲ ትፈልጦ ትዝርዝረልና ትኸውን

  • @letigebrekristos3282
    @letigebrekristos32822 жыл бұрын

    ሽዑ እዩ ናይ ሃገርና ዕንወት ተጀሚሩ

  • @habtomtesfaldet2614
    @habtomtesfaldet26142 жыл бұрын

    ናይ ሓሶት ጥንሲ ዝጠነሱ ተጻባእትቲ ሃገር።

  • @menkem511

    @menkem511

    2 жыл бұрын

    ዶንቆሮ ሱቕ ኢልካ ተማሃር

Келесі