IMDi - Norsktrening - ናብ ናይ ቛንቋ ኖርወይ ስልጠና ተጸምበር

ናብ ናይ ቛንቋ ኖርወይ ስልጠና ተጸምበር
ዝሓሸ ምልከት ቃንቃ ኖርወይ እንተደኣ ኣልዩካ፡ ኣብ ኖርወይ ዝሓሸ ህይወት ኪህልወካ ይኽእል እዩ።
ናይ ኖርወይ ቋንቋ ስልጠና ንዅሎም እቶም ቋንቋ ኖርወይ ክለማመዱ ዝደልዩ ኢዩ።
ንኽትሳተፍ ናጻ እዩ። ምዝገባ ኣየድል ኢዩ።
ኣብ እዋን ስልጠና ቃንቃ ኖርወይ፡ ልምምድ ቃንቃ ኪገብሩ ምስ ዚደልዩ ኻልኦት ሰባት ክትራኸብ ኢኻ ።
እቶም ንጥፈታት ከም ጋዜጣ ምንባብ፡ ኣብ ጸወታታት ምክፋል፡ ከምኡ’ውን ናይ ምዝራብ ምልምማድ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኵለን እዘን ብወለንታ ዚዓያ ውድባት ቋንቋ ኖርወይ ብናጻ ስልጠና ይህባኻ ኣለዋ።
ብኸመይ ከም እትሓብር ምእንቲ ኽትፈልጥ ምስኦም ክትራኸብ ኣሎካ።

Пікірлер