ሔዋን ሙሉእ መዝሙር ኣልበም ብዘማሪት ሔዋን ገ/ኣነንያ New Albem orthodox Mezmur 2023

#ሔዋን_ኣልበም_መዝሙር #ዘማሪት_ሔዋን #ትግርኛ_መዝሙር

Пікірлер: 532

  • @cnxconnexion3859
    @cnxconnexion38597 ай бұрын

    ሸር ላይክ ንበላ ንዛ ሓፍታና ንነብሳና ሰላም ዝህባ መዝሙር እያ ትዝምር ዘላ ፀጋኡ ያብዛሓልኪ ❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤

  • @tsrhaariam2174

    @tsrhaariam2174

    2 ай бұрын

    Dffgggvg.

  • @user-jw3dl1cz4c

    @user-jw3dl1cz4c

    2 ай бұрын

    ዕልልልልል❤

  • @user-sn5xg3ih4z

    @user-sn5xg3ih4z

    2 ай бұрын

    Tv ​

  • @Phrsfora_Media
    @Phrsfora_Media8 ай бұрын

    ❤"ቴቄል"❤ ግጥሚ መስዋእቲ ቃኤል አልቦ ፍቕሪ ዘይኣረገ ናብ ፈጣሪ ኣገልግሎተይ ሚዛኑ ቐሊሉ መዝገብ ሂወት ቴቄል ተባሂሉ (2) ኣዝ ብሰማያዊ ቃል ከምቶም መላእክቲ ኣብኣፈይ መሊአ ተቕረብኩ መስዋእቲ ፍቕሪ ተዘይብለይ መእሰሪ ምስጋና መዝሙረይ ተራፊ ኣብ ትሕቲ ደመና(2)። ኣዝ ርቱዕ ኣንደበተይ መስካሪ ወንጌሉ ተዘይተመሪሐ ኣሚነ ንቓሉ ይስሕት እየ ዘለኹ ነብሰይ የታልላ ኣለኺ እናበልኹ ወዲቓ እንከላ(2)። ኣዝ ክፍሊ ኣካላተይ መቅደስ ተሰይሙ ሜሮን ተቀቢኣ ጥምቀት ማህተሙ እቲ ገዛ ፀሎት ማህሌት ዝበልካዮ መውዐሊ ርኩሳት መናፍስት ገይረዮ(2)። ኣዝ ንስምኻ ይፅውዕ ኢለ ጎይታ ጎይታ ልበይ ግን መሊኣ ኣላ ምስክፍኣታ ጭጉራፍ ወንጌል ኣልዕል ገስፀኒ ጎይታ ለልቦናይ ክኸውን ኣብታ ናይኻ ቦታ(2)። ሓውኹም ዘማሪ ሊቀ ዲያቆናት ክብረኣብ (ጵርስፎራ ሚዲያ)

  • @shewitmedia

    @shewitmedia

    8 ай бұрын

    እግዚአብሔር አምላክ የክብረልና❤❤❤

  • @user-ds4pv9by5r

    @user-ds4pv9by5r

    8 ай бұрын

    እግዚኣብሔር ኣምላክ ጸጋ በረከቱ የብዘሐልኹም❤የቀንየልና🌾🌻

  • @AftabAlam-em2jg

    @AftabAlam-em2jg

    8 ай бұрын

    ❤❤

  • @natsnetdawit3603

    @natsnetdawit3603

    8 ай бұрын

    ❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤

  • @user-yt9us4qj6o

    @user-yt9us4qj6o

    8 ай бұрын

    ❤❤❤❤❤❤❤

  • @Phrsfora_Media
    @Phrsfora_Media8 ай бұрын

    እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ዋዜማ በሰላም ኣብፅሓኩም ንስሐ እንኣተሉ ምስ ኣምላኽና እንተዓረቐሉ ህዝብና ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ ሓዱሽ ዓመት ይኹነልኹም ዝማረ መላእክት የስመዐልና ሓፍተይ ጥዑም ልሳና ዘማሪት ሄዋን ናይ ኣገልግሎት ዘመንኺ ይባረኽ ንሕናለ ንዓኺ የምስለና❤❤❤❤❤❤❤❤

  • @DanielTsegay
    @DanielTsegay8 ай бұрын

    ዕልልል እንቋዕ ብሰላም መፃኽና ዘማሪት ሔዋን ሓፍትና ተመስገን ንውሉድ ወለዶ ዝተርፍ ዓብዪ ሓድጊ። አሕዋት ንዓይ ንሓውኩም ዘማሪ ዳንኤል 'ውን ሳብስክራይብ ግበሩኒ ብሕብረት ምስ ሔዋን ዝሰራሕናዮ ዝማረ ከቕርበልኩም 3 መዓልቲ ጥራሕ ቀርዩና።

  • @Phrsfora_Media

    @Phrsfora_Media

    8 ай бұрын

    ገይርና ኣለና ልቓሕኹም ምለሱ ጥራሕ❤❤❤❤

  • @user-pm2ul5pg1r

    @user-pm2ul5pg1r

    8 ай бұрын

    ገርናልኩም ኣለና ናይ ኣገልግሎት ዘመንኩም ይባረክ❤

  • @user-xx8pq7dl9j
    @user-xx8pq7dl9j8 ай бұрын

    ዝማሬ መልአክት የስመዐልና ክብርቲ ሓፍትና ጸግኡ የብዘሐልኪ ። ክብራት አሓተይን አሕዋተይን እቲ መዝሙር ተዳምጹ ዘለኩም ብዝሓት ኢኹም እና ሳብክስራይብ ግበርላ ንዛሓፍትና ሰሚዕኹም አትውጽኡ

  • @tewahdochannl
    @tewahdochannl8 ай бұрын

    በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን፫ ///#ብፍቅራዊ #ቆላሕታ ፭ \\\ ብፍቅራዊ ቆላሕታ ናባይ ዝጥምታ ኣዕንቲ ኣምላኸይ ኣይበኹራን ካብ ሓለዋይ ❤️🤲❤️ ንሰን ሪአናለይ ንመንገይ ሓቂ ብርሃን ኮይነናለይ ለቢሰዮ ጽድቂ ተመላሊሰየ ብናይ ኣምላከይ ምሕረት ብህይወት ኣለኩ ተሳጊረ ንሞት ❤️🤲❤️ ንሎሚ ክሪኣ ትማሊይ ሓሊፈ ንበረከት ክኮን ካብ ጥፋኣት ተሪፈ ሓለዋ ኣምላኸይ እዩ ሰብ ዝገበረኒ ካብ ኣስናን ጸላኢ ዝገላገለኒ ❤️🤲❤️ ክሰብር ዝኽእል ንበትሪ ጸላኢ ኣምላከይ ጥራሕ እዩ ዝኮነኒ ፀግዒ ንዑ እየ ዝእመን ኣይርእይን ንካልእ ብረድኤቱ እየ ካብ ክፍእ ዝወጽእ ❤️🤲❤️ ባሕሪ ናይ ኤርትራ ዘሳጥሕ ኣብ ቅድመይ ኣይፈርሖን ብፍጽም ግድን እዩ ምስጋረይ ንዓይ መንገደይ እዩ ብተኣምር ዝሓልፈሉ እቲ መሳደዲ ፈርኦን ዝጥሕለሉ ወስብሃት ለእግዚኣብሄር ልኡል ይኩን🙏

  • @SolianaTube1332
    @SolianaTube13328 ай бұрын

    Zmare melaekti yesmelna haftey🙏❤ ብሩኳተይ ሸር ሳብስክራይብ ንግበረላባ ስለምንታይ ኣልበም ልኣክል መዝሙር ለይነበረታትዓ😔

  • @tewahdochannl
    @tewahdochannl8 ай бұрын

    በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን፫ #ሔዋን ፬ እተን እጸ ሞተይ ዝሓዛ ኣእዳዋ ሎሚ መዲሓኒተይ ሓቂፈን ራረዋ ሔዋን ቀደም መንገዲ ሞተይ ሔዋን ሎሚ ምኽንያት ናይ ምድሓነይ ❤️🤲❤️ ቀዳማዊት ሔዋን ናይቲ መርገም ጥንሲ ተሓታቲት ሞተይ ብስጋ ብንብሲ ዳግማዊት ሔዋን ግን ዝፋን ጎይታ ከርሳ ካብኣ ረኪበዮ ናይታ ቀደም ካሕሳ ሔዋን ቀደም መንገዲ ሞተይ ሔዋን ሎሚ ምኽንያት ናይ ምድሓነይ ❤️🤲❤️ ቀዳማዊት ሔዋን ብኸንቱ ውዳሴ ብፀላኢ ሰናይ ዲያብሎስ ዝተደርሰ ዳግማዊት ሔዋን ግን ብናይ ያሬድ ዜማ ምስጋና የቅርቡ መላእክት ኣብ ራማ ሔዋን ቀደም መንገዲ ሞተይ ሔዋን ሎሚ ምኽንያት ናይ ምድሓነይ ❤️🤲❤️ ቀዳማዊት ሔዋን ካብ ገነት ናብ ምድሪ ካብ ብርሃን ኣውጺኺ ጸላም ተሕድሪ ዳግማዊት ሔዋን ግን ካብ ምድሪ ናብ ኣርያም ካብ ሓሳር ኣውጺኺ ህይወት ንዘልኣለም ሔዋን ቀደም መንገዲ ሞተይ ሔዋን ሎሚ ምኽንያት ናይ ምድሓነይ ❤️🤲❤️ ቀዳማዊት ሔዋን ክሽፈን ሕፍረታ እቲ ዘፍሰሰቶ ዘሕንዝሕ ንብዓታ ዳግማዊት ሔዋን ዘንሰለት ሰቢራ ኣብዳዊት ከተማ ወንጌል ኣበሲራ ሔዋን ቀደም መንገዲ ሞተይ ሔዋን ሎሚ ምኽንያት ናይ ምድሓነይ ወስብሃት ለእግዚኣብሄር ልኡል ይኩን🙏

  • @Taemo767
    @Taemo7675 ай бұрын

    *በስምአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ አምላክ አሜን* ዝብሎ ኣሎኒ *ካብ ህይወት ከይተርፍ ናብ ጥፍኣት ከይፀድፍ ሕቁፍ ኣበልካ ሕቁፍ ሕልፍ ኢለዮ ሕልፍ ፍትወይ እየሱስ ድግፍ ኣቢልኻኒ ድግፍ ክርስቶስ ብኣኻስ ዕርፍ ኢለየ ዕርፍ* ሓይሊ ሂብኻኒ ንኹሉ ኪኢለዮ ሓጊዝኻኒ ዘይሕለፍ ሓሊፈዮ ሓሳብኻ እንድዩ ናብዚ ኣብጽሒኒ ሓጎሰይ እየሱስ ስለካ ዝብሎ ኣለኒ (2) ብስንኺ ሓጥያተይ ብሕጉ ተኮኒነ ናብ ኣቦይ መእተዊ መንገዲ ስኢነ ነብሰይ ጨኒቅዋ ኣምሪረ እንተአዊ በሪ ኮይንካለይ እየሱስ መርሀዊ *እየሱስ ክርስቶስ መድሕን ህይወተይ* *ወትሩ ምሳይ ኢካሞ ሰናይ በዚሑለይ* ..............................ዝብሎ ኣሎኒ .ንዓመፅ ፀሊአ ሰናይ ብምግባረይ ናይ ሞት ሰበክቲ ጉድጓድ ኩዒቶምለይ ሕልመይ ዘይፍፀም መሲልዎም ነይሩ ምክርኻ ፀኒዑ ኣዋጆም ተሰይሩ *እየሱስ ክርስቶስ ትጉህ ሓላውየይ ወትሩ ምሳይ ኢኻሞ ጥዑም እዩ ድቃሰይ ............. ኣብ ግዜ ድኻመይ ማዓዝ ገዲፍኻኒ ክፉእ ከይረክበኒ ሓንጊርካ ኣስጊርኻኒ ጌጋይ ከይፀብፀብኻ ዘዕቆብኻኒ ጎይታ ይፈትወካ "የ ልዑል ናተይ ዋልታ *እየሱስ ክርስቶስ የዋህ መምህረይ* *ወትሩ ምሳይ ኢኻሞ ብሩህ እዩ ልቦናይ* ........ ምሕረትካ ዓዚዙ ፀሎተይ ሰሚዕኻኒ ምድሓንኻ ከዘንቱ ዕድመ ወሲክካኒ ንስለይ ካብ ሞትካ ንዓካ ክነብር ዘውትር ብመንፈስ ንስምኻ ክዝምር *እየሱስ ክርስቶስ እምነተይ ትምክሕተይ* *ወትሩ ምሳይ ኢኻሞ ውሑስ ውሕስ እዩ ዘመነይ* ...... *ዝማሬ መላእክት የስምዐና ሂዋነይ ዝፈትወኪ ዘማሪት*

  • @mebrihitmeharena4787
    @mebrihitmeharena47878 ай бұрын

    ብርኽኽኽኽኽ በልለይ🥰 ቀለብ ኣእዛነይ ኢኺ ሔዋነይ ኣምላኽ መመሊሱ ጸግኡ የብዘሓልኪ

  • @zemarit_hewan_tube

    @zemarit_hewan_tube

    8 ай бұрын

    Amen kbretey❤

  • @tewahdochannl
    @tewahdochannl8 ай бұрын

    በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን፫ /2/ "ኣለኒ ኣቦ" ኣየድምቓን ነብሰይ ካባ ወርቂ ኣየምሕረላይን ሃበል ዕንቂ ንግስና ኣይደልን ትሕቲ ፀሓይ ኣለኒ ኣቦ ኣብቲ ሰማይ ፪ ❤️🤲❤️ ጎይታ ኣለኒ ባዓል ዋና ዘገልግሎ ብቕንዕና ሕፈተይ ዝረአየት ዓይኑ ርኹሰተይ ከኽብር ሰብ ኮይኑ ኣፈይ ተመስግን ንውዕለታ እየሱስ ክርስቶስ ናይ ጎይቶት ጎይታ ፪ ❤️🤲❤️ በጃ ነበሰይ ኣለኒ ጓሳ ንስጋኡ ዝቆረሰ ብደሙ ኣፍሲሱ ሓፂቡኒ ናብ ዕረፍቲ መሪሑኒ ሰዒዐ ድምፁ ዝክተሎ ኖላዊ ጓሳይ ኣብ ሰማይ ኣሎ ፪ ❤️🤲❤️ ኣምላክ ኣለኒ ዘመስግኖ ንልቦናይ ዝወሰኖ ግዝእቲ እየ ብደም ዋጋ በዚሑለይ ዓስቢ ፀጋ ሞገስ ክብሪ ሽልማተይ ንሱ እዩ ንዓይ ፈውሲ ህይወተይ፪ ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር🤲

  • @user-hiwen
    @user-hiwen8 ай бұрын

    ክመቲ ለነብሰና ብናይ ነሳሓ መዝሙር ተተረክሰያ ዝልኺ ኩሉ ሂወትካ ቡሩክ የኩን ሂዋንይ ድስ ዝበለ ዝማሪይ ናይ ነሳሓ መዝሙረ😥😥😥❤️🌻❤️🌻❤️🌻

  • @user-yw9ft5qq1m
    @user-yw9ft5qq1m8 ай бұрын

    አሜን ፍቅር ን መስተውዐሊ ልብይ ይሀበና ዝማረ መላእኽቲ የስመዐልና ፀግኡ የብዘሓልኪ ሓፍተይ🙏🙏🙏

  • @user-vo9ud5nv4k
    @user-vo9ud5nv4k8 ай бұрын

    ብሓቂ ዝማሬ መላእክት ያስመዕልና ፀጋኡ ያብዝሓልኪ ክብርቲ ሓፍትና ናይ አገልግሎት ዘመንኪ እግዚአብሔር አምላክ ይባረኸልኪ❤❤❤

  • @user-pm2ul5pg1r
    @user-pm2ul5pg1r8 ай бұрын

    ኣሰይይይ ክንደይ ይጥዕም ዝማሬ መላእክቲ የስመዓልና አምላክ ጸግኡ የብዝሓልኪ ናይ ኣገልግሎት ዘመንኪ ይባረክ ክብርቲ ሓፍትና👏✝️💟

  • @ygft2873
    @ygft28738 ай бұрын

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላእክት የሰመዐልና ውቅብቲ ጸጉኡ የብዘሐልኪ እግዚኣብሔር አምላክ ናዘምርኪ ናወደስኪ የንብርኪ ዘማሪት ሔዋን ሓፍተይ ❤😘❤🙏🙏🙏 ድምፅ ግን አነ ከፈትወኺ ጥዑም ልሳና ፀጉኡ ይብዝሓለኺ ኣምላክ ንሕናለ ንዓኺ የምሰለና 🙏🙏

  • @edenmehari1468
    @edenmehari14687 ай бұрын

    zmara melakti yesmalna ትርጉሙ ግጥሙ ልብ ይትንክፍ ዜይስልቸው መዝሙር ደጋጌሜ ይሰምኦ አለኩ እግዚአብሔር ንኩላትኩም ይባርክ እግዚአብሔር ንመላዓለም ሰላም የሃበና

  • @user-kdstizetewahdo
    @user-kdstizetewahdo8 ай бұрын

    ጎደልያስ ናበልኩ ክዝምር ኣምላከይ ትዕፅው ልሳነይ ጎይታይ ክፈተለይ❤ እንኳዕ ናብ ወርሓ ጳጉሜ ኣብጻሓና ደቂ ተዋህዶይ ሓዱሽ ዓመት 2016ናይ ሰላምን ናይ ፍቅርን ናይ ለውጥን ይግበረልና ኣሜን ብሓቂ ቃለ ህይወት ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ፀጋኡ የብዝሓልኪ ልኡል ፈጣሪ ሂዋን ሓፍትና ብጣዕሚ ደስስስ ዝብል መዝሙራት ❤❤❤❤❤❤❤❤

  • @user-do5ff9qf9f
    @user-do5ff9qf9f8 ай бұрын

    ብሓቂ ዝማሬ መላእክት የስምዓልና ክብርቲ ሓፍትና ዘመን አገልግሎትኪ እግዚአብሔር ይባርክ ብሓቂ ብጣዕሚ ደስስስስ ዝብል መዝሙር አቦይ አቦይ መፅአ ተመልሰ 💐ኩሉ መዝሙር ብጣዕሚ ጥዑም ዕልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልል ዝማሬ መላእክት የስምዓልና

  • @haderakelati1160
    @haderakelati11606 ай бұрын

    ስለ ስሙ ቅ እግዛኣቢሄር ጎይታ ሰራዊት ይኽበር ይመስገን ከም ማና ሰማያት ዝጥዕም ንመንፈስካ ዘርግእ ብሓቂ ደስ ዝብል ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ ክርስትያን መሳጢ መዛሙር ቀጽልዎ ንብለኩም😮❤።ሄዋን :-በቀዳመይቲ ሄዋን ዝተዓጽወ ገነት በታ ዳሕረይቲ ካልኣይቲ ሄዋን ኣደ ብዙሃን ዝኾነት ድንግል ማርያም ድማ ተኸፍተልና ገነት ድስስ ይበለና ደስስ ይበልኩም ኣሕዋት ኦርቶዶክሳውያ ብሓቂ። ❤🍇❤🍇❤🍇❤🍇❤🍇❤!!!

  • @Elsabietgalmelaketsehay21
    @Elsabietgalmelaketsehay218 ай бұрын

    ❤❤❤❤❤ ሂዊየይ ጽጋበይ ተባረኪ ሼርርርርር ንበሎ ብሩካተይ

  • @SaraSara-ob5dl
    @SaraSara-ob5dl8 ай бұрын

    እንኳዕ ብሰላም መፃእክና ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ናይ ኣገልገሎት ዘመንኪ ኣዕዚዙ ይባርክልኪ ሂዋነይ 💓💓

  • @user-ds4pv9by5r
    @user-ds4pv9by5r8 ай бұрын

    እንዃዕ ብሠላም መጻእኺ ህይዋነይ❤ ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማሬ መላእክቲ የሥምዓልና ክብርተይ እግዚኣብሔር ኣምላክ ጸጋ በረከቱ የብዘሐልኪ ዝያዳይ ፍጻሜኪ የጸብቀልኺ🌻🕊

  • @rahelhagos7425
    @rahelhagos74258 ай бұрын

    ዝማሬ መላኣክት የስመዐልና ጋልነይ ፀግኡ የብዘሐልኪ🙏 ❤❤❤

  • @user-sy8hs2zj9y
    @user-sy8hs2zj9y8 ай бұрын

    እግዚአብሔር አምላክ ይመስገን እልልልልልልልልልልል ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ክብርቲ ሓፍትና እግዚአብሔር አምላክ ናይ አገልግሎት ዘመንኪ ይባርኽ🎉❤❤❤

  • @imissmama3978
    @imissmama39783 ай бұрын

    ብልጽቲ ዘማሪት ብሓቂ፡ ኣምላኽ ናይ ኣገልግሎት ጸጋኺ ድርብርብ የብዛሓልኪ❤ ትግራይ ባ ዘመርቲ ኣለውዋ ተመስገን።

  • @zemarit_hewan_tube

    @zemarit_hewan_tube

    3 ай бұрын

    🙏🙏🙏

  • @asterassefa5919

    @asterassefa5919

    3 ай бұрын

    Entsmikiy bshat eyom zelwa ❤❤❤

  • @meazina_yegeta
    @meazina_yegeta8 ай бұрын

    ፀጋ ይብዛል❤

  • @user-im2ef8jj2l
    @user-im2ef8jj2l2 ай бұрын

    ቃል ሂወት የስመዐና እግዚአብሔር ፀጋ የብዘሐልኪ ክብርቲ ሓፍትና ቀፅሉሉ ፅቡቅ ስራሕ❤❤❤

  • @user-do5ff9qf9f
    @user-do5ff9qf9f8 ай бұрын

    እንኳዕ ብሰላም ናብ ሓድሽ ዓመት ብሰላም አብፅሓና 2016 ናይ ፍቅሪ ሓጎስ ደስታ ዘመን ይግበረልና #አብ #ብሮፋይለይ #አትኩም #ሳብስክራይብ #እበሩኒ #ፍቅራተይ#🌿🌿🌻🌻🌻🌻

  • @user-vo9ud5nv4k

    @user-vo9ud5nv4k

    8 ай бұрын

    እምቢ ጎ😊

  • @Gofla111
    @Gofla111Ай бұрын

    ጌታና መድሓንትና ኢየሱስ ክርስቶስ 🤩ካብቶም ጥዑማት ኣንደበቶም ምስጋና እንትሰምዕ ህደይ ኾን ደስስስ ይብሎሎ መላእኽቲ ኸ ህደይ ይኾን ብታሕጓስ ልኾን ዎ ልስእኑ:: ልማርያም ልዘመርኽያ መዝሙር ህደይ ትጥዕም ተባረኺ:: ኣልበም ሙሉእ ህደይ ይጥዕም::ፅድቂ ና ሂወትና መገድና መድሓንትና ልኾነ ክርስቶስ ስለልሓዝና ተመስገን🙏

  • @user-mr5mh7vj2z
    @user-mr5mh7vj2z3 ай бұрын

    በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቁዱስ አሃዱ አምላክ አሜን (3)✝️✝️🌿 መስዋእቲ ቃኤል ኣልቦ ፍቅሪ ዘይኣረገ ናብ ፈጣሪ ኣገልግሎተይ ሚዛኑ ቀሊሉ መዝገብ ሂወት ቴቄል ተባሂሉ(2) ብሰማያዊ ቃል ከምቶም መላእክቲ ኣብ ኣፈይ መሊአ ተቅረብኩ መስዋእቲ (ፍቅሪ ተዘየብለይ መእሰሪ ምስጋና መዝሙረይ ተራፊ ኣብ ትሕቲ ደመና(2 አዝዝዝዝዝዝዝዝ🌿✝️✝️ ርቱእ ኣንደበተይ መስካሪ ወንጌሉ ተዘይተመሪሐ ኣሚነ ንቃሉ (ይስሕት እየ ዘለኩ ነብሰይ የታልላ ኣለኪ እናበልኩ ወዲቃ እንከላ(2 አዝዝዝዝዝ 🌿✝️✝️ ክፍሊ ኣካላተይ መቅደስ ተሰይሙ ሜሮን ተቀቢኣ ጥምቀት ማህተሙ (እቲ ገዛ ፆሎት ማህሌት ዝበልካዮ መውዓሊ ርኩሳት መናፍስት ገይረዮ(2 አዝዝዝዝዝዝዝ🌿✝️✝️ ንስምካ ይፅውዕ ኢለ ጎይታ ጎይታ ልበይ ግን መኢኣ ኣላ ምስክፍኣታ (ጩግራፍ ወንጌል ኣልዕል ገስፀኒ ጎይታ ልቦናይ ክከውን ኣብታ ናይካ ባይታ(2 አዝዝዝዝዝ🌿✝️✝️ ወስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር 14:47 አሜን አሜን አሜን 👏🌿

  • @user-kn1ch3ep1u
    @user-kn1ch3ep1u8 ай бұрын

    ዕልልልልልልልል ዝማሬ መላእክቲ የስመዐና ኣብ ቤቱ የንብርኪ ናይ ኣገልግሎት ዘመንኪ ይባረክ ኣቤቲቱ ጌታየ ስደተይ ኣሕፂርካ ልንሰሀ ኣብቀዐኒ😢😢😢😢😢

  • @user-hiwen
    @user-hiwen8 ай бұрын

    ደቂ መዳምይ ኣብ ሰራሓኻ ክየነካ ናይ ነሳሓ መዝሙር እንዳሰማዐካ ክንደይ የጥዕሙ 😥❤️🌻❤️🌻❤️❤️🌻

  • @user-hh6ep6er2q
    @user-hh6ep6er2q8 ай бұрын

    ዕልልልልልልልልልልልልልል👏👏👏👏👏👏ልብካ ዘረስርስ ጥዑም ዝማሬ ❤❤❤❤❤ዝማሬ መላእኽቲ የስመዐልና እግዚአብሔር ኣብ ቤቱ የፅንዕኺ ክብርቲ ሓፍትና ❤

  • @Bsrate
    @Bsrate8 ай бұрын

    ዝማሬ መላክት ያስመዕና ሂዋን ኃፍተይ 💐💐💐💐💐💐💐💐🌹🌹🌹🌹🌹🌹

  • @user-mm5bc7qy8v
    @user-mm5bc7qy8v16 күн бұрын

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላክእት የስመዓልና ክብርቲ ሓፍተና❤❤❤

  • @adulismedia8530
    @adulismedia85308 ай бұрын

    ዝማሬ መልእኽቲ ንምስማዕ የብቅዕኺ ሔዋን ኃውተይ። ኣዝዩ መንፈስካ ዘጥልል መዛሙር ኢኺ ሠሪሕክልና። እንተ ተኻኢሉ፡ እዚ መዝሙር ብንጽል እንተ ትዝርግሕልና ጽቡቕ ነይሩ። ንዓኺ'ውን ሓገዝ ምዀነኪ!

  • @user-ws7pk2sz2y
    @user-ws7pk2sz2y5 ай бұрын

    አሜን ፫ ዝማሬ ምላኣክት የስመዐልና ክብርቲ ሓፍትና 💚🙏

  • @zemaritwubalemdesalegnofficial
    @zemaritwubalemdesalegnofficial8 ай бұрын

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላእኽቲ ይስመዕልና የቀንየልና ፅጋኡ ይብዝሓልኩም በዚ ዝማሬ ዝተሳተፍኩም ኩሉኩም !!

  • @luwamdesta5739
    @luwamdesta5739Ай бұрын

    ናብ ንሳሃ አቅርበኒ ጎይታይ😢😢😢😢

  • @emebrhanchannel
    @emebrhanchannel8 ай бұрын

    እልልልልልልልል እልልልልልልልል እልልልልልልል🎉🎉🎉🎉ክብሪ ንመድሓኒኣለም ዘማሪት ሄዋን ፍቅርት ሓፍተይ እንቃዕ ኣብዚ ኣብጸሓኪ ኣምላከ ቅዱሳን ዝማሬክን ምስጋነክን መስዋእትክን ይቀበለልኪ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ዝማሬ ብዙሕ ተባረኪ ፍቅርቲ ሓፍተይ 🎉🎉🎉🎉🎉🎉

  • @user-li4wv3hk3o
    @user-li4wv3hk3o8 ай бұрын

    ዕልልልልልልልል ዝሓፍተይ ዝማረ መላእክት የስመዐልና፡፡- በእዉነት ኣዕፅምቲ ዘለስልስ ዝማረ - ሔዋን ሓፍተይ ኣብ ቤቱ የፅንዕኺ፡፡ - ናይ ኣገልግሎት ዘመንኪ ይባረኽ፡፡

  • @user-ji3mm8ge8k
    @user-ji3mm8ge8kАй бұрын

    ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ዘማሪት ሔዋን ሓፍትና

  • @destalemmezgebo2908
    @destalemmezgebo29082 ай бұрын

    🙏🙏🙏♥️♥️♥️ ሓፍትና ቃለ ሕይወት የስመዐልና ብጣዕሚ ግሩም መዝሙር ሰሚዕኻ ዘይፅገብ ፤ኣብዚ መዝሙር ዝተሳተፍኩም ኩልኹም ፀግኡ የብዘሐልኩም

  • @zemarit_hewan_tube

    @zemarit_hewan_tube

    2 ай бұрын

    Amen🙏 kbret yhabelna

  • @newhorizon3007
    @newhorizon30078 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ተባረኺ ሔዋን ሓፍትና🙏 ጥዑም ዝማሬ እዩ እግዚኣብሔር ይሃበልና🙏🥰🥰🥰

  • @helutewelde9546
    @helutewelde95467 ай бұрын

    Amen amen amen 🙏 Zmare melakti yesmalna brkti haftey Amlak xegau yebzhalki nay agelgulot zemenki ybarek 🙏

  • @csefdefgf3229
    @csefdefgf32298 ай бұрын

    ኣሜን (፫) ዝማሬ መላእክት የስመዐልና❤❤❤

  • @angesomkehase8934
    @angesomkehase89349 күн бұрын

    ብጣዕሚሚሚሚ ደስ ዝብልን ልብካ ዝትንክፍን ኦርቶዶክሳዊ መዝሙር ፡ ዝማረ-መልኣክታት የስምዓልና ሓብትና ሄዋን!!!!!!!!!!

  • @rozigaltgiray3232
    @rozigaltgiray32328 ай бұрын

    ዝማሬመላእክቲ የስመዐልና ክብረተይ እናዘመርክን እናወደስክን የንብርኪ ክብረተይ 🙏ብጣዕሚ አዕፅምቲ ዘለምሊም መዝሙሩ

  • @frweynietay3558
    @frweynietay35588 ай бұрын

    ዝማሬ መልእኽቲ የስመዓና ሓፍተይ ኣሜን ኣሜን ኣሜን❤🙏

  • @wesenambaye1200
    @wesenambaye120029 күн бұрын

    Your mazmuer is wonder full it is so billsing

  • @Dekike27
    @Dekike275 ай бұрын

    እግዚአብሄር ይባርኪ ኣቲ ቅድስቲ ዘማሪት ሄዋን ብሓቂ መንፈስ ቅዱስ ዝቃነዯ ዝማሬ እዚ ዝኣመሰለ መዝሙር እዩ ልቢ እቱ ቅኑዕ ቤዛ ዝኾነና የሱስ ዝምልሰልና ህይወትኪ ዘመንኪ ይባረክ ቅድስቲ ሄዋን

  • @HkgGmbmj

    @HkgGmbmj

    5 ай бұрын

    💕🙏💕

  • @elenygebru8387
    @elenygebru83874 ай бұрын

    ❤ ተቄል❤ መስዋአቲ ቃኤል ኣልቦ ፍቅሪ ዘይኣረገ ናብ ፈጣሪ ኣገልግሎተይ ሚዛኑ ቀሊሉ መዝገብ ሂወት ተቄል ተባሂሎ ፪ ብስማያዊ ቃል ከምቱም መላእክቲ ኣብ ኣፈይ መልኤ ተቅረብኩ መስዋአቲ ፍቅሪ ተዘይብለይ መአስሪ ምስጋና መዝሙረይ ተራፊ ኣብ ትሕቲ ደመና ፪ ኣዝ------+++++++++++++ ርቱዕ ኣንደበተይ መካሪ ወንጌሉ ተዘይተመሪሔ ኣሚነዮ ቃሉ ይስሕት እየ ዘለኩ ነብስይ የታልላ ኣለኪ እናበልኩ ወዲቃ እንከላ ፪ ኣዝ+++++++++++++++ ክፍፍሊ ኣካላተይ መቅደስ ተስይሙ ሜሮን ተቀቢኡ ጥምቀት ተሐቲሙ እቲ ገዛ ፀሎት ማህሌት ዝበልካዮ መውዐሊ ርኩሳት መናፍፍስት ገይረዩ ፪ ኣዝ--+++++++++++++ ስምካ ይፅውዖ ኢለ ጎይታ ጎይታ ልበይ ግን መልኣ ኣላ ምስክፍኣታ ጭጉራፍ ወንጌል ኣልዕል ገስፀኒ ጎይታ ልቦናይ ክከውንኣብታ ናይካ ባይታ ፪ ኣዝ--+--++++++++

  • @user-be2kf9gv6y

    @user-be2kf9gv6y

    4 ай бұрын

    🙏🙏🙏

  • @user-pb4kd3xq6r

    @user-pb4kd3xq6r

    4 ай бұрын

    ❤❤❤

  • @user-yg9hu9xe2w
    @user-yg9hu9xe2w8 ай бұрын

    ብሓቂ ጋልእነይ ኣለኩ እናበልኩ ወድቃ እንኸላ እግዚአብሔር ኣምላክ ፀጉኡ የብዘሐልኪ ዝማሬ መላእክቲ የሰመዐልና 🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌺🌺🌺🌺🌺🌺🌺🌺🌺🌺🌺🌺❤❤🌻🌻🌻🌻እግዚአብሔር ናይ ኣጎልግሎትኪ ዘመን ይባርኪ ፆሎትኪ ይማላለአኒ ሔዋነይ

  • @mashowalaslase2617
    @mashowalaslase26178 ай бұрын

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማሬ መላእክት የሰመዐልና ክብርቲ ሓፍትና እግዚአብሔር አምላክ ፀጉኡ የብዘሓልኪ ናይ አገልግሎት ዘመንኪ ይባርከልኪ❤❤❤

  • @WgshyWhfgh
    @WgshyWhfgh11 күн бұрын

    ሰሚዒካ ዘይኮነ መዝሙር ፀጉኡ የብዝሕ ፈጣሪ አምላክ❤❤❤🎉🎉🎉

  • @soshitube7215
    @soshitube72158 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክት የሰመዓልና ፀግኡ የብዝሐልኪ

  • @micamicamica9006
    @micamicamica90065 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ፍትውቲ ሓፍተይ ናገልግሎት ዘመንኪ የብዝሓዮ❤❤❤❤🙏🙏🙏🙏🙏🙏

  • @user-qn4rm3ue7x
    @user-qn4rm3ue7x8 ай бұрын

    _አሜን አሜን አሜን ጥዕምቲ ልሳን ዝማሬ መላክት የሥመዐልና ፍቅርተይ ጸግኡ የብዘሐልኺ ወለላይ💜💙__#ርሑሥ_ሓዱሽ_ዓመት_ይግበረልና__🌻🌻🌻❤_

  • @mebrhitgaldestalovetgray5665
    @mebrhitgaldestalovetgray56658 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክት የስመዓልና ፀጉኡን በረከቱን የብዝሐልኩም ናይ ኣገልግሎት ዘበንኩም ይባረክን ይቀደስን እግዚአብሔር ኣምላክ

  • @SOLYANA434
    @SOLYANA4348 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክት የሰመዐልና ዘማሪት ሂዋን ሓፍተይ ጥእምቲ ልሳን ጸጉኡ የብዘሐልኪ ናይ ኣገልግሎት ዘመንኪ ይባረክ ኣሰይ ዛሓፍተይ🥰🥰🥰🥰🥰🥰⛪️✝️❤🙏

  • @user-hm6ez8dx1x
    @user-hm6ez8dx1x8 ай бұрын

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማሬ መልእክት የስመዐልና ክብርቲ ሓፍትና ሄዋን እግዚአብሔር ኣምላክ ፀጉኡን በረከቱን የብዘሐልኪ 🌷🌷🌷🌷🌻🌻🌻🌻🌻🌻🌼🌼🌼🌼🌼🌼🌿🌿🌿🌿🌿💒✝👏

  • @selam801
    @selam8018 ай бұрын

    አጥንት የሚያለመልም ዝማሬ መላእክት ያሰማልን እህታችን❤

  • @Slamah-js3ou
    @Slamah-js3ouАй бұрын

    ዝማሬ መላእክት የስመዐና ክብርቲ ሓፍትና❤❤❤❤

  • @user-ix2xx7qo1y
    @user-ix2xx7qo1y8 ай бұрын

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላእክት ይሰመዐልና ከብርቲ ሓፍተይ ጥዑም ዝማሬ🎉🙏💚🥰🌼

  • @user-mq7tf4cp2l
    @user-mq7tf4cp2l8 ай бұрын

    እግዚአብሔር አምላክ ፀጉኡ የብዛሓልኪ ክብርቲ ሓፍትና ዝማሬ መላእክት የስማዓልና❤❤❤

  • @asterassefa5919
    @asterassefa59195 ай бұрын

    አሰይ ኮመንት ከዳሚቲይ በለይ ብርክ ብሕቲይ ይግበረልና ማርያመይ ማርያመይ ስምኪይ ምዕር አይ ማርያመይ ማርያመይ ስምኪይ ዋሓዝ አይ ማርያመይ ማርያመይ ንፅሕ ዕታን አኪይ ዝምርየ መላክት ይስመልና አልልልልልል አልልልልልል አልልልልልል 🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏💝💝💝💝💝💝👏👏👏👏👏👏👏

  • @edeneden889
    @edeneden8898 ай бұрын

    ዝማሬ መልኣክቲ የስመዓልና ዝሓፍተይ ጡዑም ዝማሬ እግዝኣቢሄር ኣምላክ ጸጉኡ የብዝሓልኪ ዕዱመን ጥዕናን ይሃብኪ🙏🙏🙏⛪🙏🙏🙏🤲🤲🤲🪴🙏🙏🙏 ክብርን ምስጋናን ንኢየሱስ መዱሓኒና

  • @user-vr6fm4nm4z
    @user-vr6fm4nm4z8 ай бұрын

    አሜን ዝማሬ መላእክት የስምዐልና ሄዋን ሓፍትና በርትዒ አብ ቤቱ የፅንዕኺ

  • @Kbrom-abebe
    @Kbrom-abebe5 ай бұрын

    ዝማሬ መላኢክት የስመዕልኪ ሂዋነይ❤❤❤❤❤

  • @tewahdochannl
    @tewahdochannl8 ай бұрын

    ኣሰይይይይይ ዕልልልልልልል እንኳዕ ብሰላም መፃኽልና ❤❤❤❤❤🎉🎉🎉🎉🎉

  • @Abrhet_youtube19
    @Abrhet_youtube197 ай бұрын

    አሰይይይ ብሓቂ ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ክብርቲ ሓፍትና ዘማሪት ሂዋነይ ጥዑም ዝማሬታት አብ ቤቱ የፅንዕኪ እግዚአብሔር አምላክ ❤

  • @medhaniearaya1161
    @medhaniearaya11612 ай бұрын

    ❤❤❤ዝማረ መላእክቲ ዝተቀበለ ይቀበለልኪ ናዓኺ ካኣ ወትሩ ብመዝሙሩ ክትዝምሪ የንብርኪ።🎉❤🎉❤🎉🎉❤

  • @elenygebru8387
    @elenygebru83873 ай бұрын

    ❤ ርግቢት ስላም💜✝️ ርግቢ ሰላም ቃል ብስራት ነጋሪት ምልክት ቃል ኪዳን ናይ ድሕነት ሓባሪት ድንግል ማርያም መቅደስ ሰማያዊ ክርስቶስ ወሊድኪ ዘድሕን ዘሐዊ ። ንግስቲ ሰማይ ንግስቲ ምድሪ ንጽህቲ መቅደስ መሕደሪት ፈጣሪ ይኩነለይ ኢልኪ ብግሩም ትሕትና ጸጋ ተመሊእኺ መድሕን ወሊድክልና (2) አዝ,,,,,,,,,,,,,,,,,, አዝዩ ዓብይ 'ዩ ክብሪ ድንግልናኺ ፍጽምቲ ማርያም ጸጋ ዝረከብኺ ብዘይ ምንም ዘርኢ ዘፍረኺ ፍረ ሂወት ማህጸንኪ ጸይርዎ ፈጣሪ ዓለማት (2) አዝ,,,,,,,,, ደስታ መልአክቲ ዜና ትንቢት ነብያት❤ ተሓጎሲ ማርያም ናይ ሄዋን መድሓኒት❤ ንዓለም ደስ ዘብል ቃል አምላክ ተቀቢልኪ❤ ዘገርም ተዋህዶ ተፈፂማ አባካ )2) አዝ,,,,,,,,,,, መመኪሒት አዶ ሓበን ናይ ኹልና❤ አብ ትሕቲ መስቀሉ ኢየሱስ ዝሃበና ምልክት ዕርቂ ምልክት ቃል ኪዳን 🥰 ነዕቢየኪ ማርያም ብዉዳሴን ምስጋናን (2)

  • @user-cw4hm8he5l
    @user-cw4hm8he5l8 ай бұрын

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ክብረተይ እግዚአብሔር አምላክ ፀጉኡ የብዘሐልኪ ብሓቂ ደስ ዝብል መዝሙር ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ ፈጣሪ ማዓረይ🙏💒💒🕊🕊🕊🕊🕊🕊🌾🌾🌹🌹🌹🌹🌹🙏🙏💒💒🕊🕊💒💒🕊🕊🕊🌹🌹🌹💒💒🕊🌾🌾🌾🌾🌾🌾🌾🕊🕊🕊🕊💒🕊🕊

  • @selamawitbrhane3334
    @selamawitbrhane33348 ай бұрын

    ኣሜን ፫ ዝማሬ መላእኽቲ የስምዓልና ክብርቲ ሓፍትና ናይ ኣገልግሎት ዘመንኪ ይባረኽ ጸግኡ የብዝሓልኪ እግዚአብሔር ኣምላክ

  • @tenetgerechal5546
    @tenetgerechal55468 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክት የሰመዐልና ፀጋ በረከቱ የብዘሐልኪ ናይ ኣገልግሎት ዘመንኪ ይባረክ❤

  • @user-or9nf1dz9c
    @user-or9nf1dz9c8 ай бұрын

    እሰይይይ ዕልልልልልልልልልልልልልልል ዝማሬ መላእክት ያስምዐልና ፀጋኡ የብዝሐልኺ ሂዋን ሓፍተይ ናይ ኣገልግሎት ዘመንኪ እግዚአብሔር አምላክ ይባርከልኺ ጥዕምቲ ድምፃ ሂዋነይ ሰሚዕካ ዘይምኖ መዝሙር በርትዕልና ፀጋኡ የብዝሐልኪ♥️♥️♥️

  • @hyabZe_tewahDo
    @hyabZe_tewahDo8 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክቲ የስመዐልና ፀጉኡ የብዘሐልኪ ሄዋን ሓፍተይ❤😊

  • @Dngl.maryam.wahsey
    @Dngl.maryam.wahsey8 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክቲ የስመዐልና ሔዋን ሓፍተይ

  • @user-jb9rt3gb7j
    @user-jb9rt3gb7j8 ай бұрын

    ቃል ሂወት የስመዓልና ሄዋን ሓፍተይ ኣምላክ ጸግኡ የብዘሓልኪ❤

  • @Bahlbi_G
    @Bahlbi_G8 ай бұрын

    ፀግኡ የብዝሐልኪ ሄዋን ሓፍትና ተባረኺ

  • @senaytsenayt6366
    @senaytsenayt63668 ай бұрын

    ኣየድምቃን ነቅሰይ ካባ ወርቂ ኣየምሕረለይን ሃበል ወርቂ ንግስና አይደልን ትሕቲ ፀሓይ አለኒ አቦ አብቲ ሰማይ ብሓቂ ፀግኡ የብዝሕ😘❤❤❤

  • @user-zd8gb5sw3l
    @user-zd8gb5sw3l8 ай бұрын

    Zemare Melakti yesmealna, Amelak xegu yebzhalki❤🙏

  • @user-do5ff9qf9f
    @user-do5ff9qf9f8 ай бұрын

    እንኳዕ ብሰላም መፃእኪ ክብርቲ ሓፍትና ሔዋን

  • @zafuyemaryamlg9737
    @zafuyemaryamlg97378 ай бұрын

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላእክት የሰመዐልና ክብርቲ ሓፍትና ፀግኡ በረከቱ የብዝሓልኪ እግዚአብሔር አምላክ❤💝

  • @tsegagebreselemateka2392
    @tsegagebreselemateka23928 ай бұрын

    አሜንአሜንአሜን ዝማሬ መለአክት የሰመዕልና አልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልል አልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልአ ልልልልልልልልልልልልልልልልልልሓፍተይ ሂዋና 👏👏👏👏❤️✝️

  • @user-xv8bc4lb5r
    @user-xv8bc4lb5r8 ай бұрын

    ዝማሬ መልእኽቲ የስመዐልና ክብርቲ ሓፍትና ክንደይ ይጥዕም መዝሙራት እዩ ጸግኡ የብዝሓልኪ

  • @birehanraya5501
    @birehanraya55018 ай бұрын

    እልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልልል አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ክብርት ሓፍትና ጥበቡ የብዝሐልክ ክብረተይ ❤

  • @nigistihaile8323
    @nigistihaile83237 ай бұрын

    ዝማሬ መላኽት የስመዓልና ልብኻ ዝትንክፍ መዝሙር መዓረይ ኣምላኽ ይባርኪ

  • @fiyoriliben6317
    @fiyoriliben63178 ай бұрын

    Amen Amen Amen zmarye melekti yesmealna, egzabiher amlak xegeu yebzhalki xhaftey brkti 🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏

  • @user-oj2zs7if8k
    @user-oj2zs7if8k8 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክቲ የስምዐልና ክብርቲ ሓፍትና ❤ኣምላከ ቕዱሳን ዘመን ኣገልግሎትኪ ይባርኽ ❤️

  • @werkyamer6029
    @werkyamer60296 ай бұрын

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መልእክተይ የሰመዕልና ክብረተይ ሓፍተና ፀጉኡ የብዛሓልኪ እግዛአብሔረ❤❤

  • @samrimebrahtu
    @samrimebrahtu8 ай бұрын

    ዝማሬ መልኣኽቲ የስመዐልና ክብርቲ ሓፍተይ ሂዋነይ ናዘመርኪ ናወደስኪ የንብርኪ ህያበይ

  • @user-yl1uv8eh6e
    @user-yl1uv8eh6e8 ай бұрын

    አሜን ዝማሬ መልእክቲ የስመዐልና ሂዋን ሓፍተይ ኣብ ቤቱ የንብርኪ ❤

  • @user-th7mg9dj2f
    @user-th7mg9dj2f6 ай бұрын

    ዝማሬ መላኣክት ያስመዐልና ሂዋን ሓፍተይ ኣብ ቤቱ የጽንዕኪ ❤❤❤❤🎉🎉🎉🎉 ንዝሰማዕና በረከት ይሕደረና እግዚአብሔር ኣምላክ መስተውዐሊ ልቢ ይሃበና😢😢😢

  • @user-pc8uk5pj9t
    @user-pc8uk5pj9t8 ай бұрын

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላእክቲ የስመዐልና ክብርቲ ሓፍተና ፀግኡ የብዝሕልኪ ❤❤❤

  • @brhaanhagos6824
    @brhaanhagos68248 ай бұрын

    ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ክብረተይ እግዚአብሄር አምላክ ፀጉኡ የብዘሐልኪ ብሓቂ ደስ ዝብል መዝሙር

  • @AsterGebregziar
    @AsterGebregziar2 ай бұрын

    ❤❤🎉ቃል ሂወት ይስመዐልና ብጣዕሚ ደስዝብል መዝሙር ቀፅልሉ ❤❤❤❤

  • @user-dn1ef7jp6g
    @user-dn1ef7jp6g8 ай бұрын

    ዜማ ሰማያት የስምዕኺ ዘማሪት ሓፍትና

Келесі