Dehay Eritrea ኤርትራውያን ከም ዜጋታት ብሓደ ንሓስበሉ እዋን ሕጂ እዩ! ደሃይ ኤርትራ
Dehay Eritrea ኤርትራውያን ከም ዜጋታት ብሓደ ንሓስበሉ እዋን ሕጂ እዩ!
“ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ገጢምዎ ዘሎ ውድቀት ክላቀቅ ኣንተኾይኑ ክልሰ ሓሳብ (Theory) ከማዕብል ኣለዎ። መቸም ከምቲ ዝኾንናዮ ሕጂውን ብሃውሪ ብዝመስለና ኬድና ናብ ሓደ መዕለቢ ክብጻሕ ኣይከኣልን እዩ። ምብትታን በብሓደ ክትከዶ ይከኣል እዩ። ንምትእኽኻብ ግን ግድን በብጽሒትካ ከትወስድ የድሊ። ኣብታ ናይ ሓባር ርስቲ ዝኾነት መሬት ክሳብ ዝረኽባ 'ጭንን' ዝብል ኤርትራዊ ኣብ ብዙሕ ምድባት ከምዘሎ ክንሓስብ ጽቡቕ እመስለኒ። ወላ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ መሬቱ ተኣማሚኑ ብኹርዓት ዝነብር የልቦን። እቲ ዝሕልዋ ዝመስሎ፡ ከም ዕንቊ ክትጠፍኦ ትኽእል እያ። እቲ ዝጠፍአ ዝመስሎ ድማ ናብ መረበቱ ሓደ መዓልቲ ክምለስ ብዙሕ ዕድል ኣለዎ። ስለዚ ኤርትራውያን ልዕሊ ማንም ግዜ ሎሚ ከም ዜጋታት ብጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ብሓባር ክንዝትን ክንረዳዳእን ይግባእ!" ይብል ኢንጂነር ሳሙኤል ሓይልኣብ!
ብዛዕባ እቲ ሓሳብ ተዘራሪብና ኣለና ምክትታል ናባኹም!
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ ዓካ)
01 ሚያዝያ 2023
ደሃይ ኤርትራ
Пікірлер: 32
ግርም ጌርካ ዓካ ዓካ ፣ ሎሚ ካብ ማርስ ዝመጸ ኤርትራዊ ከተቕርብ ምኽኣልካ ።
ብጣዕሚ ኣዝዩ በሊሕ ዜጋ ። ሃገር ሰብ ኣለዋ ።
ሳሚ ደስ ዝብል ኣብዚ መድረክ ምምጻእካ
ጋዜጠኛ ሳሚ (ዓካ ዓካ) ኣብ ህዝቢኻ ዘለካ ተጋዳስነት ነመስግነካ::ኣጆኻ ቀጽሎ:: ❤❤❤
Samuel Haileab, You have a deeper understanding beyond your explanation about the current Eritrean situation. You’re expressing practically the reality and we must be humble 😊
Brilliant ❤
Welcome Dehay Eritrea
This opinion would be good if we had have a government, and functional institutions , but we are in a very authoritarian dictatorship system.
ጽቡቕ ትሕዝቶ ኢዩ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘሎ እኮ ሓደ ንመግስትና ጾሩን ጸላእቱም ኣጥፋኣሉ ዝብልን ፡ ብኹሉ ተበዲልና ኣለና'ሞ መራሕትና ቐይረልና ዝብሉን ኣብይ ይራኸቡ ?
Are you serious, still talking about investment in Eritrea, I can't even comprehend you take this as a topic,you really think Isayas Afewerqi is going to let you Invest let alone visit your family in Eritrea, sad,
ክላእ...እዚ ድኣ ማይ ዘይሓለፎ ህግደፍ እንድዩ: ኢንጅነር ህዝቢ እዩ ሃገር: ኣበይ ኮይንካ ን ሽፍታ ክትብድሆ????
እዚ ወፍሪ ዝበሃል ነቶም ቤተሰብ ናይ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ንብረት ዝገበሩ ዝምልከት ይመስለኒ
Nice program sami interesting
ልክዕ ሕጂ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ሃገርና: ዝኾነ ሰብ: ንሂወቱ ይኹን ንንብረቱ ውሕስነት የብሉን።
ዓካ ዓካ ንስኻ ትገድድ
As usual Obviously ....ever እምበር ከ ቀደም ካብ ቀደምን ንሓዋሩን እምበር ። ከም ሰብን ሕብረተሰብን ከም ዜጋን ደአ ዝነበረን ዘሎን ዝወራረስን ዘልአለማውን እዩ። ኤርትራ ኤርትራ በዓል ...ተደምሲሱ መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ ! ...... . ..... . ........ ..... !
ሓሳቡ ቅቡል ኣይኮነን
@samuelhaileab9281
Жыл бұрын
ሓሳበይ ቅቡል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፡ ከም ኤርትራውያን ግን ቅኑዕ ኣንብሎ ሕሳብ ንፈትሽ በሃላይ እየ። የቀነየለይ ስለ ተገዳስነትካ!
ሓው ሰሚኤል ገብሪሂወት: መድያኻ ንኹሉ ከምዘሳትፍ ተመስክር ኣለኻ: ነዚ'ውን ቡዙሕ ምስጋና እግባኣካ:: እንተ ካብዚ ጋሻ ኢልካ ዘቕርብካዮ ሰብ ዋላ ክንዲ ቕራፍ ቆሎ ትኹን ሃናጺ ሓሳብ እይረኸብኩን እንትርፎ ውዳሳ እቲ ፕረስደንት ኢሉ ዝጽውዖ ጋኔን:: እቲ ነዚ መደብ መበገሲ ዝኾነ: ጽሕፉ እዩ ትብሎ ጽሑፍ : ነዚ ሰብ'ዚ ዝምጥን ጽሑፍ ኣይኮነን: እቲ ጽሑፍ ናይ የማነ ህበይ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል: እዚ ወዲ"ዚ ተሰካም ሳንጣ ናይ'ዞም ሃገርናን ህዝብናን ዝሕምሱ ዘለዉ ዉሑዳ ት ኣራዊት'ዩ:: እንተስኻ'ሞ በታ ዝጀመርካያ ዓቕሊ ጌርካ ክትሰምዖ ብምኽኣልካ እዝግሄር እሃብካ:: በጃኻ ድሕሪ ሕጂ ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ሰባት ኒው በሎም ሽምካ ከይባላሽውልካ::
@meleseman9268
Жыл бұрын
ፅቡቅ ሓሳብ ለባም ሓውና ከምኡ ብዝሑ::
እዛ አርእስት እዋናዊት እያ። ፕረሲደንት አብወጻኢ ዘለው ዜጋታት አብዚ ተሐሲቡ ዘሎ ዝመስል "development scheme"ህንጻ ሃገር ኤሪትራውያን ንዑ ናብ ሃገሮም ክምለሱ አለዎም አይበለን። ብናይተይ ርእይቶ መንግስቲ ብመጀመርያ ብዘይአፋላላይ ንኹሉ ዜጋ blanket amnesty ክእውጅ ይግበኦ። ብመንግስቲ አሰራርሐ ክፊእዎ ድዩ ምውጻእ መሪጹ ሰብ ስግረዶብ እንተኸይዱ ቅድም ምምላሲ ካብመንግሥቲ ምሕረት ክረክብ አለዎ።እዚ አብዝኾነ ሃገር ዝሥራሐሉ ስለዝኾነ ክገርመና የብሉን። አብዚ ሥግረዶብ ዝኸዱ ዘለው ካብ ጨቋኒ ምሕደራምበር ካብሃገር እንኳን ዝብሉ አይሰአኑን። ኤርትራያን አብዚ ፀዋዒት እምነት ክህልዎም እንተኾይኑ መንግሥቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተራእዬ ሕጋዊ መሳርዕ ክእውጅ ይግባእ።
እዚ ጋሻና ዕድለኛ'ዩ ከመይሲ፡ መጀመርያ እቲ መንግስቲ ናቱ ኢዩ ይብጽሖ'ዩ፡ ምኽኒያት እቲ መንግስቲ ናይ ኣውራጃ ሓማሴን'ዩ፡ ጋሻና ብግቡእ ተጣይሱ ፓስፖርት ኣውጺኡ ናብ ዘድልዮ ክፍሊ-ዓለም ዪገይሽ። እቲ ዘገርም ነገር ኣብ ኤሪትራ ብፍላይ ንሕና መንእሰያት ኣከለ ጉዛይ ምጥያስ፡ ናይ ኤሪትራ ፓስፖርት፡ ወረቐት መንነት ካልኦት መሰላትን...ወዘተ ንዓና ናይ ሕልሚ እንጀራ'ዩ። ስለዚ መንእሰይ ወገነይ ከምቲ ካብ ብ ህግደፍ ምጥያስ ኣፋናጣስ (ምፍንጣስ) ኢልና ባዕልና ናብ ስደት ብሓይልና ዝተጣየስና ሕጂውን ናይ ኣተሓሳስባና ጎይተት ክንከውንን ሓደራ ከይንታለል ንቕሓት ኣጥሪና ን ህግደፍን ኤሪትርውነትን ክንጽየኖ መጽዋዕታይ የቕርብ።
@tsegaia2909
Жыл бұрын
Eza Retoka Fahfa Elatka , Walas Kone Elika Eka Kemu Tbl Zelaka.
ቅድሚ ሕጂ ዘውፈሩ ቁማር ተበሊዖም ተሪፎም ፡ ሕጂ ንኺድ እሞ ምስ እዚ ማፍያ ስርዓት ሓቢርና ንስራሕ ? ንባዕልኻ ድላይካ ግበር ጸገም የለን (PR) ናይ ህግደፍ ኮንካ ምቅራብ ግን ኣይግድን ።
Stop calling him President please, doesn't deserve it. Maybe call him Ato Isayas Afewerqi.
ህግደፍ ኢዩ እዚ ዳኣ ፡ ብዛዕባ ሃገር ዘዕነወ ገበነኛ ሓንቲ ከይተዛረበ ወዲእዋ ፕረሲደንት ጥራይ ክብል ፡ ነቶም ንኢሳይያስ ዝቃወሙ ተቛለስቲ ዳርጋ ኣወንታ ስራሕ ከም ዘይሰርሕ ክጥቅስ ይፍትን ፡ ንኢሳይያስ ግን ከም ጽቡቕ ከም ዘሎ ወፍሪ ዶ እሽምሽ ክብል ወዲእዋ ሕጊ ካኣ ይብል ኣብ ኤርትራ እንታይ ሕጊ ኣሎ፡ መንግስቲ ድማ ይብል መንግስቲ ዶ ኣሎ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ? ተኽለ ዕዉር(ማንጁስ) ኣጥይስካ ይኸውን ምበር ግደፍ ንስኻ መንእሰይ ወዲ 65 ከማን ኣይተጣየስን ።
ሐታቲ ዓጋመ Game over ሐሳዳት ቀማላት ዉጥም ዉጡም አብዚሕኩም አሎኹም በል በል አይትደቀስ ዉዒጊን
ብጣዕሚ ኣዝዩ በሊሕ ዜጋ ። ሃገር ሰብ ኣለዋ ።
ብጣዕሚ ኣዝዩ በሊሕ ዜጋ ። ሃገር ሰብ ኣለዋ ።
ብጣዕሚ ኣዝዩ በሊሕ ዜጋ ። ሃገር ሰብ ኣለዋ ።
ብጣዕሚ ኣዝዩ በሊሕ ዜጋ ። ሃገር ሰብ ኣለዋ ።