ዘይተፈትሐ ግድል

ኣብ 1954፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃኔዳ ጃፓን እተፈጸመ እዩ። ሓደ ምዕሩግ ሰብኣይ፡ ልክዕ ከም ካልእ ሰብ፡ ክፍተሽ ኢሉ ናብቲ ፓስፖርትኻ ኣርእይካ እትሓልፈሉ ክፍሊ መዓርፎ ነፈርቲ ይኣትወልኩም። እቲ ፓስፖርት ዝርእይ ዝነበረ ጃፓናዊ ሰራሕተይና እቲ ማዕርፎ ነፈርቲ፡ ግር ስለ ዝበሎ ነቲ ሰብኣይ ክሓቶ ጀመረ። እቲ ፓስፖርት እንተረኣዮ፡ ሕጋዊ ይመስል። ሕብሪ እቲ ፓስፖርት ግና፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ዓለም ፍልይ ዝበለ ሕብሪ ዝነበሮ፡ ወይናይ ወይ ሊላ ነበረ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ገበር እቲ ፓስፖርት ስእሊ ዕንባባ ነበረ። እቲ ፓስፖርት ብሃገረ ታውረድ እተዋህበ ፓስፖርት ምዃኑ ይጠቕስ ነበረ። እዚ ምስጢራዊ ሰብኣይ፡ ነቲ ጃፓናዊ ብዓል መዚ፡ ናብ ጃፓን ሰለስተ ግዜ ከም ዝበጽሐ ሓበሮ። እቲ ሰራሕተይና እቲ ማዕርፎ ነፈርቲ፡ ክጠራጠር ስለ ዝጀመረ፡ ንሓላፊኡን ካልኦትን ክሕግዝዎ ጸውዖም። እዚ ምስጢራዊ ሰብኣይ፡ ጨሓምን ካውካስያናውን ይመስል ነበረ። ፈረንሰየናን፡ ቋንቋ ጃፓንን እውን ይዛረብ ነበረ። እቶም ሰብ መዚ እቲ ማዕርፎ ነፈርቲ፡ ከምኡ ዝበሃል ሃገር ሰሚዖም ስለ ዘይፈልጡ፡ ሕውስውስ በሎም። እስከ ሃገርካ ኣብ ካርታ ኣርእየና ኢሎም፡ ሃብዎ። ወዮ ሰብኣይ፡ ካርታ ከፊቶም ምስ ኣርኣይዎ፣ ኣብ መንጐ ስጳኛን ፈረንሳን ንዘላ ኣንዶራ እትበሃል ንእሽቶ ሃገር ኣመልከተሎም። እቲ ሰብኣይ፡ ሃገሩ ንኣሽሓት ዓመታት ዘላን ዝነበረት ምዃናን፡ ስለምንታይ ኣብቲ ካርታ ኣንዶራ ተባሂላ ኢሉን ተደራበሸን ሕማቕ ተሰመዖምን። እቲ ሰብኣይ፡ ምስቶም ሰብ መዚ ክካታዕ ጀመረ። እቲ ሰብኣይ ባጤራታት ብዙሓት ሃገራት ሒዙ ነበረ። ንጽባሒቱ፡ ናይ ዋኒን ወይ ቢዝነስ ኣኼባ ከም ዘለዎን፡ ሆቴል ሒዙ ከም ዘሎን ነቶም ሰብ መዚ እቲ ኤርፖርት ሓበሮም። ልክዕ እዩ እታ ዝበሎም መዕረፊ ኣጋይሽ ኣብ ጃፓን ትርከብ ነበረት፣ እንተፈተሹ ግና፡ ስም እቲ ሰብኣይ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

Пікірлер: 11

  • @suzidesta6302
    @suzidesta63023 жыл бұрын

    ኩሉ ግዜ ዝበለጸን ሓድሽን ኢኹም ተምጽእ። ቀጽሎ ኣዚካ ንፉዕ ኢኻ። ኣምላኽ መመሊሱ ይሓግዝካ።

  • @MTK983
    @MTK983Ай бұрын

    Selam memhrey eza classical abey krekba ykel ❤❤❤❤❤❤❤

  • @dontworrybehappy9361
    @dontworrybehappy93613 жыл бұрын

    *Very nice myself*

  • @amanueltsegai6730
    @amanueltsegai67303 жыл бұрын

    Thank you

  • @amanueltsegai6730
    @amanueltsegai67303 жыл бұрын

    Qexlo hawey natey

  • @merhawitesfu427
    @merhawitesfu4273 жыл бұрын

    ጽቡቕ ጽውጽዋይ'ዩ

  • @user-et1ls7pk8k

    @user-et1ls7pk8k

    Жыл бұрын

    ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካልእ ዓለም ኣሎ

  • @user-bk5dw1ws2q
    @user-bk5dw1ws2q3 жыл бұрын

    ካባካ ብዙሕ እንዲና ንመሃር ኣነ ተቀይመ ኣለኩ....ናይ እስታሊ'ን 2ክፋል ዘይመግበሪካ ምክንያት ግን ድሓን ክረግመካ ኢዩ😎

  • @Goitshtv

    @Goitshtv

    3 жыл бұрын

    ክክክክክ

  • @habtomgebremicael6463
    @habtomgebremicael64633 жыл бұрын

    Senseway deyu

Келесі