What is Identity Crisis? II ናይ መንነት ቀውሲ እንታይ ኢዩ?

እንኳዕ ብሰላም መጻእኩም፡
ሰላማዊት ፍሰሃየ ኪኢላ ናይ ስነ ኣእምሮ ኮይና ንዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ግብጺ ከሙኡውን ኣብ ካናዳ ብቀጥታ ምስ ሓደሽቲ መጻእቲ ምስታ ሃገር ባህልን ልምድን ተዋሃሂዶም ክነብሩ ኣብ ምግባር ከሙኡውን ቆልዑ ብግቡእ ትምህርቶም ክከታተሉ ኣብዝኽእሉኡ ኩነታት ኣብምድጋፍ ተገልግል ኣላ።
ኣብዚ እዋን ምስ ምብዛሕ ጸቕጢ ናይ ስነኣእምሮ ኣብ መናእሰይን ኣብ ዓበይቲን፡ ከሙኡውን ምስቲ ባህሊን ልምዲን ናይታ ሃገር ተሰማሚዕካ ምንባር ዘለዎ ዘቕጢ ኣተሓሒዛ ዘለዋ ልምድን ተመኩሮን መምስግዚኡ ክተምጻኣልና ኢያ።
ሰላም ብጀካዚ ናብ ካናዳ ኣብምምጻእ ዝርከቡ ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለይ ሃገራት ዘለዉ ኣብቲ ንገብሮ ናይ 6 ወርሒ ሂወት ኣብ ካናዳ ዝብል ስልጠና ሙሉእ ሓላፍነት ወሲዳ ትሰርሓሉ ኣላ። ነዚ ክትከታተሉ ትደልዩ ድማ linktr.ee/henme4 ጠዊቕኩም ኣብታ life in Canada for people coming to Canada ትብል ክትሓብሩዋ ትኽእሉ።
ቀጺለ ናብ መልእኽቲ ናይ ሰላም ክማሓልልፈኩም። ሰብስክራይብ ብምግባር ሼር ብምግባር ተሓባበሩና።
@selamcounceling.com/
ናይ መንነት ቀውሲ እንታይ ኢዩ።
ዋላኳ ኣዚዩ ብዙሕ ዝርዝራት እንተለዎ ሓደ ካብቶም ልዑል ነጥብታት ንጠቅሶም
ባህሊ፡
ሓደ ሰብ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ኣብዝቀያይረሉ እዋን ነብስ ወከፍ ዓዲ ወይ ሃገር ናቱ ዝኾነ ባህልን ልምድን ስለዘለዎ እዚ መበገሲ ጸቕጢ ይኸውን።
ድሕረባይታና፡
ዝመጻእናዮ ኣመጻጻኣ፡ ክብደት ናይ ኣብ መንገድና ዘሎ ኣመጻጻኣ ዝሓለፍናዮ መስገደል ኣብ መገዲ ዘጓነፈና ዘይተጸበናዮ ሃንደበትነትን ዝመሳሰሉን ይርከብዎም።
ነዚ መናእሰይ ብፍላይ ትሕቲ 25 ዓመት ዘለዉ ተጠቃዕቲ ናይዚ ጉዳይ ኮይኖም ንረኽቦም።
በዚ ጉዳይ ዝተጠቕዓ ሰብ ክገብሮም ካብዝግባእ ስጉምትታት፡ ባህልኻ ምሕታት፡ ጽሑፋት ምንባብ፡ ወግዒ ናይ ዓድካ ምፍላጥ፡ ናይስነኣእምሮ ኪኢላታት ምሕታት ይኸውን።
ዝተረጋገአ መንነት ዘለዎ ሰብ ንነብሱ ይቅበላ፡ ተጻዋርነት የጥሪ፡ ምስ ስራሕ ኮነ ምስ ከባቢኡ ኣወንታዊ ዝምድና ይህልዎ።
ምስዚ ዝተሓሓዝ ሕቶ ዘለኩም ኣብ ኮመንት ጸሓፉለይ በብግዚኡ ክምልስ ክፍትን ኢየ።
Thank you for watching, and see you in the next video!
Disclaimer: The content presented in this video is intended solely for educational use. Prior to applying any guidance provided, we strongly advise seeking advice from a qualified attorney, financial advisor, mental health counselor or accountant.
Financial school: www.evenactions.com/
Become financial professional: call +14036902117
Join our free financial education: linktr.ee/henme4
Community website: habeshapro.com/
Email: Henokfinance@gmail.com

Пікірлер: 5

  • @eastend758
    @eastend75816 күн бұрын

    Thank you

  • @milashgirmay508
    @milashgirmay50816 күн бұрын

    Henok family is our blessing good job selameyi

  • @selamawitpetroshagos3227
    @selamawitpetroshagos322716 күн бұрын

    Proud of you dear❤

  • @selamawitpetroshagos3227
    @selamawitpetroshagos322716 күн бұрын

    Selamey thank you for bringing this up, we need more resources (culturally appropriate) towards the techniques of managing the crisis dear.

  • @eritreanerena7332
    @eritreanerena733216 күн бұрын

    ቀውሲ ትግርኛ አይኮነን ብ ሕቶ መንነት ወይድማ ቅልውላው መንነት እዩ ዝባሃል

Келесі