እንቋዕ ናብ ወርሓዊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ናብ ቤት መቕደስ ዚኣተወትሉ ኣብጸሐና።

በዚ ሎሚ ዕለት 3፣ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ናብ ቤተ-መቕደስ ዚኣተወትሉ ዕለት እዩ። ስድራቤት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ካብ ዝምርዓዉ ክሳዕ እርግናኦም ውሉድ ኣይወለዱን ነበሩ።ውሉድ ውህበት ኣምላኽ ምኻኑ ስለ ዝተረድኡ ድማ፣ ኪዳኖም ብምኽንያት ውሉድ ዘይምውላዶም ከየፍረሱ፣ነቲ ዝህብ ብምስጋና፣ብጸሎት፣ብተሳፋ፣ብዓቕሊ ተጸበዩ፣ንዓለም ዘድሕን ጎይታ እትወልድ ህጻን ድማ ተዋህበቶም። ፍረ ዓቅሊ ሰናይ እዩ'ሞ ካብዞም ቅዱሳን ወለዲ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንማሃር ጽቡቕ እዩ።ልዕሊ እቲ ንሕና ንሕይወትና ንሓልየላ፣ ልዕሌና ንሕይወትና ዝሓልየልና፣ዝጠቕመናን፣ዘይጠቕመናን ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ'ሞ ኩሉ ግዜ ብሰንኪ ውሉድ ዘይምውላድና ነቲ ክቡር ኪዳና ከነፍርስ ጽቡቕ ኣይኮነን'ሞ ወትሩ ብጸሎትን፣ምስጋና፣ዓቅልን ነቲ ዝህብ ንጸበዮ።ብርግጽ ንሱ ክበጽሓና እዩ።ቅድስቲ ኣዴና ሳራ፣ደጊም ውሉድ ኣይወልድን ኣሪገ'የ ኢላ ተስፋ ኣብ ዝቖረጸትሉ፣ወላ'ካ ንሳ ተስፋ ትቕረጽ እንበር፣ ኣምላኽና ግና በጺሕዋስ ሳሓቅ ስለ ዝገበረላ"ኢሳቕ" ኢላ ንውሉዳ ስም ክትሰሚ በቕዐት። (ዘፋጥረት 21፣1-6)
ካህን ዘካርያስ ምስ ቅድስቲ ባዓልቲ ቤቱ ኤልሳቤጥ ወትሩ ብቕድስትና ን ኣምላኽ ዘገልግሉ ነበሩ። ክሳብ እርግናኦም ውሉድ ኣይወለዱን።ወላ'ካ ውሉድ ኣይውለዱ እንበር ንሕና ን ኣምላኽ ነገልግል ክንስናስ ስለምንታይ ዘይዋሃበና ኢሎም ውን ኣይማረሩን።እቲ ዝሓይሽ ኣምላኽ ሒዝሎም ነበረ። እዞም ቅዱሳን ወለዲ ነቲ ብንእስነቶም ከለዉ ማለት ክንወልደሉ ንኽእል ኢና ኢሎም ዝሓስብዎ ግዜ ንኽወልዱ ዝጽልይዎ ዝነበሩ እዋን ምስ ሓለፈ። መልኣኽ እግዚኣብሔር መልሲ ናይ ጸለቱ ንካህን ዘካርያስ ክነግሮ መጸ።ኣምላኽ ኣብእዋኑ ንሱ ኣብ ዝፈቐዶ ክህቦም መታን፣ ጸለቱ ከም ዝተሰምዐን፣ውሉድ ክዋሃቦ ምኻኑን ን ቅዱስ ገብሪኤል ንኽነግሮ ላኣኸሉ።ቅዱስ ገብሪኤል ድማ፣ጸለቱ ከም ዝተሰምዐን፣ናይ ጸለቱ ውጺኢት ቅድስቲ ኤልሳቤት ከም እትጠንስን፣ውሉዱ ደስታን ሓጎስን ከም ዝኾነሉ፣ብልደት ውሉዱ ብዙሓት ከም ዝሕጎሱ ነገሮ። (ሉቃስ 1፣13-14)፣ካህን ዘካርያስ መልሱ ዝነበረ" ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፥ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፡" ብምባል ተዛረበ(ሉቃስ 1፣18) ሪኢኹም ፍቱዋት ወገናተ፣ ንሕና ኣሪግና፣ግዜና ሓሊፉ፣ግዜ ይኸድ ኣሎ ፣ኣይካኣልን ከመይ ኣቢሉ ይኾን? ኣብ ዝበልናሉ እዋን፣እቲ ኹሉ ዝኽእል ግና ኖእ ይካኣል እዩ ይብለና። እወ ንሱ ኩሉ ዝኽእል እዩ'ሞ ተስፋና ኣብኡ ንግበሮ።ንሱ ይሓልየልና እዩ'ሞ ሓልዮትና ኩሉ ናብኡ ነውድቖ። 1ይ ጴጥሮስ 5፣7።
እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ፣ንቤት ካህን ዘካርያስ በጺሕዎምስ፣ ዮውሐንስ ዝስሙ፣ቀቅድሚ ክርስቶስ"መንግስቲ ኣምላኽ ቐሪባ ኢያ ሞ ተነስሑ"እንዳበለ ንቔናን ትኽ ዘብል፣ምግባር ጽድቂ ዝምህር፣ሰብ ናብ ክድሕነሉ ዝኽእል ኣምላኽ መንገዲ ዘርኢ፣ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጥምቕ ውሉ ረኸቡ። ብሓቂ ብትዕግስቲ ንዝጽበ ዝተባረኹ ውሉድ ይረክብ። ኣምላኽ ኣብ ሓዳርና ጸኒዕና፣ብቅድስና ን ኣምላኽና ክንጽበ የብቕዓና!
እን'ሆ በሉ እቶም ቅዱሳን ወለዲ ኢያቄምን ሃናን ወለዲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ከምቲ መሰረት ውዕሎም ማለት፦ኣምላኽ ውሉድ እንተ ሂብዎም ን ውልዶም ን ኣምላኽ ከምዘህቡ፣ እቲ ዝዋሃቦም ውሉድ ን ኣምላኽ ዘገልግል ክኾን ቃል ኣትዮም ስለ ዝነበሩ፣እቲ ለምኑ ክዋሃበኩም እዩ( ማቴዎስ 7፣7) ዝበለ ኣምላኽ ንልመኖኦም ሰሚዑ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ምስ ሃቦም፣ንሶም ድማ በዚ ሎሚ ዕለት ጋል ሰለስተ ዓመት ምስ ኮነት ናብ ቤተመቕደስ ኣረከብዋ። ንዓሰርተ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ቤት መቕደስ ኮይና ን ኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ነቲ ትርጉም ናይ ምንባርና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና ክትወልድ በቐዐት።ንምኽንያት ምድሓና ኮነትና።እዞም ቅዱሳን፣ ጽኑዓት ወለዲ፣ቃሎም ዘየዕብሩ ኮይኖም በዚ ሎሚ ቃሎም ዝፈጸምሉ እዩ።
እንቃዕ ኣብቃዓና!ኣምላኽ ይመስገን ነዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ዘዘለናዮ ቦታ ኰይና ክንዝክሮን ብጽቡቕ ንኸነሕልፎ ዘፈቐደልና ስሙ ይመስገን!
ጸሎት ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን!!!
ብክርስቶስ ዘፍቕረኩም ኃውኹም ኣስመሮም።

Пікірлер: 7

  • @user-rh4sp2ny9m
    @user-rh4sp2ny9m3 жыл бұрын

    አሜን አሜን አሜን ናይ አዴና ድንግል ማርያም በረከታ ፆለታ አይፈለየና ንመምህርና ቃለ ህይወት የስመዐና

  • @user-st9ev3zc7j
    @user-st9ev3zc7j3 жыл бұрын

    ኣሜን ኣሜን

  • @kulusebukulusebu7588
    @kulusebukulusebu7588 Жыл бұрын

    Amen (3)qal hiwet yesmana✝️❤

  • @Chjfv
    @Chjfv16 күн бұрын

    ፀጋኡን በረከቱን የብዘሐልካ❤❤❤

  • @zamzamzam4317
    @zamzamzam43173 жыл бұрын

    Amen....3

  • @sabasemere3404
    @sabasemere34044 жыл бұрын

    Amen amen amen kale hiwet yesmalna

  • @megedibrhan8849

    @megedibrhan8849

    4 жыл бұрын

    Amen Saba haftey.

Келесі